ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ምስ ጉጅለ ተቆፃፃሪ ሕ/ሃ ንክትተሓባበር ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀዊዑ


UNSC
UNSC

ንዕድመ ዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃን ሕ/ሃን ኣብ ሶማልያን(AMISOM) ክሳብ ዝመፅእ ዓመት ዘናወሐ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ኤርትራ ምስ ተቆፃፃራይ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን ንክትተሓባበር መፀዋዕታ ኣቅሪቡ።

እቲ ሎሚ ዝሓለፈ ውሳነ፣ኤርትራ ምስ‘ቲ ኮሚቴ ክልተ ጊዜ ኣብ ፓሪስን ካይሮን ምርኻባ ብምንኣድ ዝያዳ ንክትተሓባበር ፀዊዑ።እዞም ምትሕብባራት ኣብ‘ዚ ዝተሓደሰ ዕድመ‘ቲ ኮሚቴ ተቆፃፀርቲ‘ውን ተጠናኺሮም ክቅፅሉ፣እዚ ማለት ኣባላት‘ታ ኮሚቴ ኣብ ኤርትራ‘ውን ኣትዮም ስርሖም ንክፍፅሙ ከምዝውስኽ እቲ ውሳነ ይሕብር።

እቲ ውሳነ ብተወሳኺ፣ኤርትራ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ እዋን ግጭት ምስ ጂቡቲ ብዛዕባ ሃለዋት ዝተሰወሩ ጂቡታዊያን ወትሃደራት ሓበሬታ ንክተቅርብን፣እቶም ሻቅሎት ዝሓደሮም ወገናት ብዛዕባ ሃለዋት‘ቶም ምሩኻት ኲናት ንክፈልጡን ክትሕግዝን ፀዊዑ።

ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኤርትራን ጉጅለ ተቆፃፃሪ ሶማልያን ኤርትራን ሙሉእ ምትሕብባር ንክህሉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቁፅሪ 757 ብደገፍ 13 ኣባል ሃገራት ብዜሮ ተቃውሞን ክልተ ድምፀ ተኣቅቦን‘ዩ ሓሊፉ።ተዓቅቦ ዝመረፃ ሩስያን ዮርዳኖስን ምኳነን ካብ ኒውዮርክ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG