ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምጉት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ውሳነ ማዕቀብ ኤርትራን ሶማልያን


ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ መዓልታት ብዛዕባ ምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክዝቲ ድሕሪ ምቕናይ ዝሓለፈ ሰሉስ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ`ሎ። እቲ ብ11 ድጋፍን ብ4 ድምጸ ተዓቅቦን ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ገለ ወቕቲ ናይ`ዚ ዓመት ድማ ዳግማይ ክርኤ ዝብል ነጥቢ`ውን ኣለዎ።

“ባይቶ ጸጥታ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ`ቲ ውሳንኡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ዘይምድጋፋ ኣፍልጦ ሂቡ`ሎ” ይብል ነቲ ውሳነ ዘስሞአ ፕረሲደንት`ቲ ባይቶ ኢጣልያዊ ሰባስቲያኖ ካርዲ።

ወኪል ኣሜሪካ ብወገና፡ ንሓዲሽ ጽምዶ ኤርትራን ኣሜሪካን ነመጉስ ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራ ንተቖጻጻሪ ጉጅለ ክኣቱ ክተፍቅደሉ ጸዊዓ። ሩስያ ብወገና፡ ኤርትራ ንዞባዊ ዕጡቓት ትድግፍ ዝብል ግን ካልኦት ኣብ`ቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት`ውን ከምኡ ከምዝገብራ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሓቢሩ`ዩ ድሕሪ ምባል “ንኤርትራ ጥራሕ ምጥቃን ፍትሓዊ ኣይኮነን” ኢላ።

ካልኦት ከም ቻይናን ግብጽን ዝበላ ሃገራት ነቲ ኣብ`ቲ ማዕቀብ ዘለወን ተቓውሞ ዘስምዓ ክኾና ከለዋ፡ ከም እንግሊዝ ኣሜሪካን ከምኡ`ውን ኢትዮጵያን ዝበላ ድማ ነቲ ማዕቀብ ድጋፈን ኣስሚዐን ኣለዋ።

እቲ ውሳነ ማዕቀብ፡ ኣብ መጀመርያ ሽዱሽተ ወርሒ ዳግማይ ክርኣይ ትጽቢት ኣለዎ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምጉት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ውሳነ ማዕቀብ ኤርትራን ሶማልያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:14 0:00

XS
SM
MD
LG