ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውጥረት ጂቡቲን ኤርትራን 'ግትኣትን ህድኣትን' ይዕሰል ይብል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት


UNSC
UNSC

ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ውጥረት ድሕሪ ምንሃሩ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ግትኣትን ህድኣትን ንክዓስል ጸዊዑ።

ተጻብኦ ክልቲኤን ሃገራት ዝደገሶ፣ 450 ዓቀብቲ ሰላም ቀጠር ዝሓለፈ ቅነ ካብ’ቲ ከባቢ ድሕሪ ምውጸኦም ምኻኑ ዝዝከር’ዩ።

ቀዋሚ ወኪል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ሰርግዮ ሎሬንት ትማሊ ሶኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣቶ ታየ ብሩክ ዘሪሁን ብዛዕባ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን መብርሂ ከምዝረኸበ ገሊጾም።

‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ልኡኽ ኣናዳዪ ሓቂ ናብ’ቲ ከባቢ ንምውፋር ዝወሰዶ ስጉምቲ ይድግፍ፣ ብዘይካ’ዚ፣ ግትኣትን ህድኣትን ንምዕሳል ዓሊሙ ይካየድ ምስ ዘሎ ጻዕሪታት ሕብረት ኣፍሪቃ ሰሚርና ክንነጥፍ ኢና። ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ምስሕሓብ ብመሰረት ዓለም-ለኸ ሕጊን ብሰላምን ንክፈትሐኦ መጸዋዕታ የቕርብ። ኣባል ሃገራት ብቀጻሊ ምትእምማን ንምዕሳል ንዝውሰዱ ጻዕሪታት ይድግፍ’ ኢሎም።

ሚስተር ሰርግዮ ሌሬንት ወሲኾም ‘ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ክከታተልዎ’ዮም’ እውን ኢሎም’ለው።

ኢትዮጵያ ንዝቕጽላ ክልተ ዓመታት ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኮይና ትሰርሕ ከምዘላ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG