ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃገራትን ሕ/ኣፍሪቃን ኣብ ኣዲሳበባ ክካየድ'ዩ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ጳጉመን 2-3, 2009 ዓ.ም አብ አዲስ አበባ ናይ ምምኽኻር አኼባ ከምዘካይዱ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ አፍሊጡ።

ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ሓዊሱ ጉዳያት ጸጥታ’ቲ ከባቢ ናይዚ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ዝኾነ አኼባ ቀንዲ ዛዕባ ከምዝኸውን’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ሎሚ ንጋዜጠኛታት ከምዝበልዎ 'ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓባራዊ አኼባ ካብ ኒውዮርክ ወጻኢ ክካየድ እዚ ፈላማይ ኽከውን’ዩ'።

ተለዋጢ አባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ መስከረም ፕረዝደንት ኮይና ሓላፍነት ከምትርከብ ወሲኾም ገሊጾም፣ ነቲ ናይ አዲስ አበባ አኼባ ንባይቶ ጸጥታ ወኪላ ፕረዝደንት ኮይና ትመርሖ ኢትዮጵያ እያ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG