ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ነቀምት ዝርከብ መደብር ወታደራት ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ጉድአት ከምዝወረደ ተገሊፁ


ነቀምት ከተማ
ነቀምት ከተማ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምት ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መደብር ወታደራት መንግስቲ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ጉድኣት ከምዝወረደ ተገሊፁ።

ነባሪት ከተማ ነቀምት ምዃና ዝገለፀት ወ/ሮ ሳዲያ ኢቲቻ ትማሊ ወታደራት ኣብ ዝቕመጥሉ ካምፕ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ቦምብ ከምዝተደርበየ ትዛረብ።

“ትማሊ ኣብ ቀበሌ 02 መንነቶም ዘይንፈልጦም ሰባት ቦምብ ደርቢዮም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰራዊት ኣጋእዚ’ውን ኣለው” ኢላ’ላ።

ብሰንኪ እቲ ቦምብ ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎ ከምወቕዑን ዝተኣስሩ እውን ከምዘለውን ወሲኻ ገሊፃ።ካልእ ነባሪ መንእሰይ ጀማል ቶላ እውን ኣብ መንጎ እቲ ነባሪን ሓይልታት ፀጥታን ወጥሪ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊ ፀጥታ እቲ ዞባ ኣቶ በዳሳ ጎበና መንነቱ ካብ ዘይፍለጥ ሰብ ቦምብ ተደርቢዩ ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ከምዝቖሰሉን ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለን ገሊፆም።ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ከምዝተፈትሑን ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝተኣሰረ ሰብ ከምዘየለን ወሲኾም ገሊፆም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG