ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ኣብ ማእከላይ ሶማሊያ ንዝርከብ ሓደ ሆቴል ብምውራር ሰባት ቀቲሎም


ሶማልያ ፋይል
ሶማልያ ፋይል

ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ባላደወይነ ዓበይት ዓዲን ሰበስልጣን መንግስትን ተኣኪቦብሉ ንዝነበሩ ሆቴል ኣብ ከበባ የእትዮም ድሕሪ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 5 ሰባት ምቕታሎም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት መራሕቲ ቀቢላታት ከም ዝርከቡዎም እቲ ዜና ወሲዂ ይሕብር።

መሓዉራት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ እንኮላይ ንኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሓዊሱ ኣብቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ዓሰርተ ሰባት ምቕታሎም ጸብጺበን።

መጥቃዕቲ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ሰዓታት ድሕሪ’ቲ ብሰራዊት መንግስቲ ዝተወሃሃደ ስርሒት’ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ መንግስቲ ሶማሊያ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ጉጅለ ሓዊሱ ኣብ ቀረበ መዓልታት 16 ኣባላቱ ከም ዝቐተለ ነቲ ስርሒት ዘወሃህድ ዘሎ መንግስታዊ ኣሃዱ ገሊጹ።


ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG