ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ሓዊሱ 9 ሰባት ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም


ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ
ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ

ስነ ስርዓት ምረቕኦም ኣብ ዩኒቨርቲ መቐለ ፈፂሞም ይጉዓዙ ዝነበሩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ወጀራት ዓዲ መስኖ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ 11 ለካቲትት 2013 ዓ\ም ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዝተመረቑ ተምሃሮ ሓዊሱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝትቐተሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ዘምለጠ ንቪኦኤ ገሊፁ።

6 ለካቲት 2013 ዓ\ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝተመረቑ ተምሃሮ ናብ ቤተሰቦም ይጉዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞም ካብቲ መጥቓዕቲ ዝተረፈ ተምሃራይ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቪኦኤ ይገልፅ።

11 ለካቲት 2013 ዓ\ም 44 ተምሃሮ ምስ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ከምዝጀመሩ ይሕብር።

ንሒዋነ ምስ ሓለፉ ናብ ማይጨውን ኣላማጣን መፈላለዪ መንገዲ ኣብ ጥውይዋይ፣ጎቦን ፀድፍን ዘለዎ ቦታ ዓዲ መስኖ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ መንገዲ ብእምኒ ተዓፂዩኣብ ጎኒ እቲ ዘዋሪ መኪና ስለዝነበሩ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ወሪዶም ቶኽሲ ከምዝተጀመረ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ።

ካብዚ መፂኦም ዘይብሃሉ ሚሊሽያታት ካብቲ ጎቦ ነታ መኪና ብጥይት ምውቃዕ ከምዝጀመሩ ወሲኹ ይሕብር።

‘’ንሕና ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይንና ነእዊ ነይርና።ንሕና ተምሃሮ ኢና እናበልና ድምፅና ኣስሚዕና።ካብቲ ጎቦ ወሪዶም ምትኳስ ምስ ጀመሩ እቲ ዘዋሪ ኣውቶቡስ ቆሲሉ ነይሩ ከም ገለ ኢሉ ካብ ጥይት ንምኽዋል ነታ መኪና ናብቲ ጎቦ ግልብጥ ኣቢሉዋ።ተገልቢጣ እናሃለወት እውን ምትኳሶም ምስ ቀፀሉ ተምሃሮ ኢና ምስ በልና ነቲ ቶኽሲ ጠጠው ኣቢሎም ውረዱ ኢሎምና’’ ይብል።

እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ብምውሳኽ ተምሃሮ ሓዊሱ ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ይብል።

ኩሉ ኣቑሕቶም ኣብ ውሽጢ እንከሎ ነታ መኪና ኣቃፂሎምዋ ኢሎም። ’’ነቲ ሬሳ የውጽእዎ ኣየውፅእዎ ንፈልጦ ነገር የለን’’ ዝበሉ ንሱ እቲ ዝተረፈ ተምሃራይ ኢዱ ንላዕሊ ገይሩ ወፂና ዓጂቦም ናብቲ ጎቦ ወሲዶም፤ናእቶም ምልሻታት ክሓቱና ጀሚሮም፤ንሕና ኣይፈለጥናን ኢሎምና ኢሉ።

ድሕሪ ናይ ስዓታት ሕቶ ከምዝሰደዱዎምን ብዝተረኸበ መጎዓዚያ እናቆራረፁ ቆቦ ከምዝኣትውን እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊፁ ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቆቦ ካሳሁን ኣዲሱ ጉድኣት ዝወረዶም ተምሃሮ ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተሓከሙ ገሊፆም ኣለው።

እቶም ዝቖሰሉ 12 ተምሃሮ ምዃኖምን ካብኣቶም ክብድ ዝበለ ጉድኣት ዝወረዶም ሰለስተ እዮም ኢሎም።እቶም ዝተረፉ መጠነኛ ጉድኣት ዝወረዶም ኩሎም ብጥይት ከምዝተወቕዑን ኩሎም ድማ ተምሃሮ35 ምዃኖም ሓቢሮም።

ንኹሎም ናይ ሕክምና ሓገዝ ከምዝተውሃቦም ወሲኾም ገሊፆም።

ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ንቶም ዝሰንበዱ ተምሃሮ ካብ ምርግ ጋእ ሓዊሱ ጉድኣት ዝወረዶም ብምሕብሓብን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምስናይን ተሳትፎ ከምዝገበሩ ፕሬዝዳንት ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ኣበበ ግርማው ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ሓዊሱ 9 ሰባት ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:43 0:00


XS
SM
MD
LG