ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኽሪ ፓትሪያሪክ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ጳውሎስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ፕሪንስተን


‘The Princeton Years of the Ethiopian Patriarch Abuna Paulos’ ናይ ኢትዮጵያ ፓትሪያሪክ ኣቡነ ጳውሎስ ናይ ፒሪንስተን ዓማውቲ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ኒውጀርሲ ዝርከብ ፍሉጥ ዩኒቨስቲ ፕሪንስተን ናይ ኢትዮጵያ ፓትሪያሪክ ንዝነበሩ ብፁእ ኣቡነ ጳውሎስ ዝዝክር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናይ ሰለስተ ማዕልታት ናይ ዝኽሪ ሰሚናር ኣካይዱ’ሎ።

ኣብቲ ስነርስዓት ናይ ኣቡነ ጳውሎስ ብዝርክት ዝበሉ ስእልታት፣ኣብ 1988 ኣ/ፈ ንናይ ዶክትሬት ድግሮም ዝፅሓፉዎ ፅሑፍ፣ባዕሎም ነቲ ዩኒቨርስቲ ብህያብ ዘበርከቱሎም ታሪኽን ያታን ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝገልፁ መፃሕፍቲ፣ኣብ 1992 ኣ/ፈ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሶም ዝዝንቱ ኣብ ጋዜጣ New York Times ዝወፀ ፅሑፍን ካልኦትን ንምሪኢት ቀሪቦ ነይሮም።

ኣቡነ ጳውሎስ ናይ PhD ጽሑፎም ክሰርሑ ከለው ዘማኸሩዎም Dr. Karlfried Froehlich፣ኣማሓዳሪ ኣብ ሲያትል ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረሰላም ቅዱስ ሚካኤል፣ኣብ ሎሳንጀለስ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣገልጋሊ ኣባ ሙሴ በርሀን ንእሽቶ ሓዎም ንኣቡነ ጳውሎሱ ዲያቆን ተወልደ ገብረዮሃንስ ካብ ቦስተን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዝተፈላለየ ኣርእስቲ መደረ ኣስምዒዕም ኣለው።

ብሽም ኣቡነ ጳውሎስ ናይ ስኮላርሽፕ ትምህርቲ ንምሃብ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተፈሊጡ’ሎ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG