ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓድግታት ንምዕቃብ ዝሕግዝ ቅድመ መፅናዕቲ ኣካይዱ


ኣብቲ ዞባ ዝዝረቡ ዝነበሩ ክልተ ቋንቋታት ጠፊኦም ኣለዉ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣብ ወልቃይት ንምልዓት ቃንጫ ሽኮር ክውዕል ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ታሪኻውን ባህላውን ሓድግታት ክዕቀቡ ዝሕግዝ መጽናዕቲ እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምሁር መጽናዕቲ ታሪኽ ህዝብታት ዶክተር ዎልበርት ስሚት ኣብ ዞባ ምዕራብ ዘይፍለጥ ነገር እዩ ዝበዝሕ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ከባቢ ጸሊም ቤት ዝተባሃሉ ዓሌት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ጫሬኛ ዝተባሃለን ከምኡ እውን ሽሮ ዝተባሃለን ክልተ ቋንቋታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ምሉእ ንምሉእ ጠፊኦም ኣለዉ ኢሎም፡፡

ቅድሚ 300 ዓማውቲ ኣብ ዘበነ ጎንደር ዝተሃነፀን ሃጼይ ባካፋ ዝነብረሉ ዝነበረ ቤት ሙሉ ዝተባሃለ ህንጻ እውን ክዕቀብን ኣጋይሽን ሊቃውንትን ክጥቀሙሉ ክግበር ከምዘለዎ እውን ዶክተር ዎልበርት ገሊጾም፡፡

ቤት ሙሉ ኣብ በሪኽ ቦታ ስለዝርከብ ከምኡ’ውን ገዳም ዋልድባ ብተፈጥራዊ ኣቀማምጥኡ ካብቲ ዝህነፅ ዘሎ ግድብ ኣዝዩ ዝራሓቐ ምስ ምዃኑ ወላ ሓደ ሓደጋ ከምዘይወርዶ ኣረጋጊፅና ኣለና ኢሎም እቶም ምሁር፡፡

XS
SM
MD
LG