ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተኸሲቱ ዝባሃል ሪፖርት ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢ መዘራረቢ ኮይኑ


ኣብ'ቲ ሪፖርት ምጥፍፋእ ገንዘብን ሕማቅ ምሕደራን ጎሊሆም ዝወፁ ፀገማት'ዮም

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ተኸሲቱ ተባሂሉ ብፈደራላዊ ቤት ፅሕፈት ኦዲት ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝወፀ ሰነድ፣መባእታዊን ገና ተዘሪቡሉ ዛዛሚ ሰነድ ዘይተዋሃበሉ‘ዩ ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት‘ቲ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ደረጀ ኣሰፋ ገሊፆም።

እቲ ሰነድ፣ኣብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ብሚልዮናት ዝቁፀር ገንዘብ ብዘይኣግባብ ከምዝወፀን ደረሰኝ ከምዘይቀረበሉን፣ኣብ ፕሮጀክታት ህንፀት ከምኡውን ኣብ ምዕዳግ ኣቁሑ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ከምዝተፈፀመ ዝጠቅስ‘ዩ።

ዶ/ር ደረጀ ግና፣እቲ ዝተገልፀ ሪፖርት ክዳሎ ከሎ ካብ‘ቲ ዩኒቨርስቲ ዝምልከቶም ሰባት ኣብ ጊዚኡ ግቡእ መልሲን ሰነድን ከቅርቡ ኣብ ዘይካኣልሉ እዋን ዝተዳለወ ስለዝኾነ ኣይተጋገዩን።ሎሚ ግና እቲ ኣድላዪ ዘበለ ሰነዳትን መርተዖታትን ናብ ቤት ፅሕፈት ኦዲት ኢትዮዽያ ስለዘቅረብና እቲ ሪፖርት ክእረም‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣለና ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኦዲት ኢትዮዽያ ብዛዕባ‘ቲ ሪፖርት መብርሂ ንክህቡና ሓቲትናዮም፣ቅድም ናብ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ኢትዮዽያ ሪፖርት ክነቅርብ‘ሞ ዳሓር ኣዘራርቡና ዝብል መልሲ ሂቦም።

XS
SM
MD
LG