ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ 67 ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቐን


ስነ-ስርዓት ምረቃ ተማሃሮ
ስነ-ስርዓት ምረቃ ተማሃሮ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሎምዘበን ጥራሕ ልዕሊ 67 ሽሕ ተምሃሮ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ኣሰልጢነን ከምዘመረቓ መንግስቲ ገሊፁ’ሎ፡፡

ካብ መንጎ እዚኦም 800 ሓኻይም እንትኾኑ 102 ድማ ብፍልስፍናዊ ዶክትሬት ዝላዓለ ትምህርቶም ዝወድኡ’ዮም፡፡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብዚ ቁፅሪ እዚ 4,254 ብፅሒት ወሲዱ ኣሎ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓላፊ ክፍሊ ስራሕቲ ርክባትን ምልላይን ኣይተ ወልደጀወርግስ ገብረህይወት መንግስቲ ዕድል ትምህርቲ ብምሃብ ተምሃሮ ዝተፈላለየ ሞያዊ ዓቕሚ ከጥርዩ እንተዳኣ ኣምሂሩ መናእሰይ ድማ ዓርሶም ስራሕ ክደልዩን ክፅዕሩን ይግባእ ይብሉ፡፡

ቁፅሪ ተመረቕርቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምውሳኹ ፅቡቕ ለውጢ እንትኾን ኮይኑ ግና ፅፈት ትምህርቲ ንምሃብ እውን ዘኽእል ስጉምቲ ይውሰድ ምህላዉ ይገልፁ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ኣይተ ወልደጀወርግስ ንሶም ዝሰርሕሉ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብምምሕያሽ፣ ተምሃሮ ተሓጋጊዞም ዘፅንዕሉ መይላ ብምትግባርን መምሃራን ሞያዊ ብቕዓቶም ንምጉልባት ዝሕግዙ ስልጠናታት ብምሃብን ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ዝራኣዩ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኦም፡፡
XS
SM
MD
LG