ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቡሌ ሆራ ትምህርቲ ጀሚሩ፤ዝወፁ ብዙሓት ተጋሩ ተማሃሮ ኣይተመልሱን ናብ ጋምቤላ ሃዲሞም ዝነበሩ ኣስታት 120 ተጋሩ ተማሃሮ ናብ ዩኒቨርስቲ መቱ ተመሊሶም ትምህሮም ጀሚሮም


ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ትምህርቲ ክሰናኸል ፀኒሑ’ዩ።መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ይፍፀመና’ሎ ብዝብል ተወልደቲ ትግራይ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ወፂኦም ገሊኦም ናብ ስድርኦም ገሊኦም ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝተጉዓዙ ይገልፁ።

ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየን ኣብ ዩኒቨርስቲ ቡሌ ሆራ ዝተረፈን ተማሃራይ ካልኣይ ዓመት ውሑዳት ተምሃሮ ከምዝተረፉ ምስ ገለፀ ኣብዚ ስዓት ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ይሕብር።

"ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርስቲ ልዕሊ 420 ተጋሩ ተማሃሮ ነይሮም፤ሕዚ ግን ከባቢ 110 ኢና ተሪፍና ዘለና’’ይብል።

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፀርፍን ካልኦት መጥቓዕትታትን ከምዝፍፀም ብምግላፅ ንሱ ምስ ካልኦት ተማሃሮ እናተጉዓዘ ከሎ ናይ ክሳድ ካቴና በጢሶም ከምዝወሰዱዎን ምስኡ ዝነበረት ካልኣይቲ ተማሃሪት ድማ ሞባይል ስልካ ከምዝመንጠሉዋ ሓቢሩ።

ንደሕንነትና ንሰግእ ኢና ክብሉ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ብለይቲ ካብ መንጎ ዝወፁ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ተማሃሮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምጉዓዝ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣብ ካልእ ዩኒቨርስቲ ክምድቦም ከምዝሓተቱን ይኹን እምበር ናብቲ ዩኒቨርስቲ ክምለሱ ከምዝተገለፆም ሽማ ክግለፀላ ዘይትደሊ ተማሃሪት ካብ ከተማ መቐለ ገሊፃ።መብዛሕቲኦም ናብ ስድርኦም ከምዝተበታተኑ ምስ ሓብረት 64 ተማሃሮ ግና ናብ ትግራይ ብምጉዓዝ ኣብ ከተማ መቐለ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ሓቢራ።

ኣብቲ እዋን ናይቲ ዩኒቨርስቲ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ዶ/ር ዓብዱል ቃዲር ሑሴን ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝኾነ ይኹን ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣይነበረን ክብሉ ነቲ ብተማሃሮ ዝቐረበ ክሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

ልዕሊ ሽዲሽተ ሚእቲ ሽሕ ተወላዶ ኦሮሞ ካብ ክልል ሶማሊያ ምስ ምምዝባሎም ብዝተኣሳሰረ በደለኛታት ክሕተቱ፣ኣብ ክልል ሶማሊያ ዝተመደቡ ተማሃሮ ድማ ካብኡ ወፂኦም ኣብ ካልእ ክምደቡ ዝሓትት ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝነበረ ይግለፁ።

ኣብ ውሽጢ እቲ እቲ ዩኒቨርስቲ ብዝነበረ ሰልፊ ስግኣት ዝተሰምዖም ካብቲ ቐፅሪ ይወፁ ዝነበሩ ተማሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይነበሩን።ካልኦት እውን ኩነታት ምስ ተረጋገአ ክንምለስ ኢና ኢሎም ክሳብ ኣዋሳ፣ዲላ፤ዝወፁ ካልኦት ተምሃሮ እውን ነይሮም ኢሎም።

ዶ/ር ዓብዲልቃዲር ሑሴን ካብ ፕሬዝዳንትነት ቡሌ ሆራ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ምውራዶም ገሊፆም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቱ ክሰናኽል ዝፀንሐ ትምህርቲ ከምዝጀመረን ካብ ዩኒቨርስቲ መቱ ናብ ጋምቤላ ከይዶም ዝነበሩ ኣስታት 120 ተማሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ተመሊሶም ትምህርቶም ከምዝጀመሩን ዘዘራረብናዮም ተማሃሮ ገሊፆምልና ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:55 0:00

XS
SM
MD
LG