ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ መራሒ ፓርቲ ኣንድነት ኮይኖም ተመሪፆም


ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣንድነት ንዘውርዶ ኣሎ ዝበልዎ ኣውጊዞም

ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ካብ ዝቐረቡ ሰለስተ ሕፁያት ንዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣቦ መንበር ገይሩ መሪፁዎም ኣሎ።ዶ/ር ነጋሶ ህዝቢ መሰሉ ንምኽባር ምልዓሉ ኣይተርፍን ክብሉ ንገዛኢ ፓርቲ ኣጠንቂቖም ኣለው።ፓርቲ ሓድነትን ፓርቲ ብርሃንን’ውን ሓደ ኮይኖም።

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ካብ ዝቐረቡ ሰለስተ ሕፁያት 179 ድምፂ ብምርካብ ናይ ፕሬዝዳንትነት ምርጫ ስዒሮም ኣለው።ፓርቲ ሓድነት ኣብመጠቓለሊ ኻልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ ውፅኢት ምርጫ ፕሬዝዳንትነት ዕላዊ ምስኮነ ናይቲ ፓርቲ ኣቦመንበር ኮይኖም ዝተመረፁ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ቃለ-መሓላ ብምፍፃም ሓፂር ዘረባ ኣስሚዖም።እቲ ዝመርሕዎ ውድብ ካብ ውሽጢ ብሓይሊ ሰብን ገንዝብን ድኹም ከምዝኾነ ብምሕባር ንኽጠናኸር ከምዝፅዕሩ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ዝረኽበዎም ተሞክሮታት ብፍላይ ድማ መትከል እንካ ሃባን ኣሳታፊነትን ብምጥንኻር ምስ ካልኦት ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድባት ዝበለፀ ምቅርራብን ብሓባር ናይ ምስራሕን ኩነታት ንኽፍጠር ክንዲ ዝክኣሎም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም ኣለው።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ ውድቦም የብፅሖ ዘሎ ዝበልዎ ፅዕንቶ ካሊእ ናይ ፓርቶም ፈተና ምዃኑ ዶ/ር ነጋሶ ሓቢሮም።ብምቕፃል ከምዚ ኢሎም ነይሮም ‘’ መንግስቲ ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲና ንዝኾኑ ንኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌን ናትናኤልን ወሲኹ ንኻልኦት ንፁሃን ዜጋታት ብጉልባብ ግብረሽበራ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንምዕፋን ዝገብሮ ዘሎ ጉያን ናይ ፓርቲና ፅቡቕ ሽምን ዝናን ንምብልሻው ዝሰርሖ ዘሎ ተግባርን ክዕገት ኣለዎ።’’

ሓድነት ኣብሕገ መንግስታዊነትን ኣብልዕልነት ሕግን ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎ ዝገለፁ ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ፈዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ፓርቶም ተኸታሊ ሰላማዊ ቃልሲ ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም።

እዚ ንምግባር ድማ ይብሉ ዶ/ር ነጋሶ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ናይ ፖለቲካ ሃዋህው ከመዓራሪ ኣልዎ ኢሎም።ኢህወደግ እዚ እንድሕር ዘይገይሩን እቲ ዘሎ ኩነትታ በዚ እንተቐፂሉን ዝፍጠር ፍፃመ ዘይምረፅ ከምዝኾነን ሓድነት ነዚ ተሓታቲ ከምዘይኸውንን ካብ ብሕዚ ኣጠንቂቖም ኣለው።

ኣብዚ ስሩዕ ጉባኤ እዚ ክልቲኦም ፓርትታት ሓድነትን ብርሃንን ናብ ሓደ ምፅምባሮም ዕላዊ ኮይኑ።ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ንፕሬዝዳንትነት እቲ ፓርቲ ዝሰዓሩ ምስ ዶ/ር ናግት ኣስፋውን ኢንጂነር ዘለቀ ረዲን ብምውድዳር እዩ።

ናይ ክልቲኦም ፓርትታት ሓደ ምዃን እውን ንናይ ሓድነት መፀውዒ ሽም ኣይቀየሮን።ኣብቲ ጉባኤ ተወካሊ ቦርድ ሃገራዊ ኮምሽን ምርጫ ከምዝተረኸውቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG