ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ዓመት መጥቓዕቲ ካፒቶል


ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ቀዳማይ ዓመት መጥቓዕቲ ካፒቶል ምኽኒያት ብምግባር ኣሜሪካ ‘’ከመይ ዓይነት ህዝቢ ክንኸውን ከምዘለና ክትውስን ኣለዋ’’ኢሎም። ብኻሊእ ዜና እቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝፍፀም ልዕሊ 725ሰባት ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ተፈሊጡ።

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆባይደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ደገፍቲ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ US Capitol ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ዘስዓቦ ፅልዋ መደረ ኣስሚዖም ኣለው።ኣሜሪካ ‘’ከመይ ዓይነት ህዝቢ ክንኸውን ከምዘለና ክትውስን ኣለዋ’’ኢሎም ባይደን ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንፃ ኮይኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ።

ፖለቲካዊ ናዕቢ ከም ንቡር እንቕበል ህዝቢ ዲና ክንኸው?ሻራዊ ሰበስልጣን ምርጫ ንሕጋዊ ድልየት ህዝቢ ክቕይሩ ከም ህዝቢ ክነፍቅደሎምዶ ኣለና?ኣብሓቂ ከይኮነስ ኣብፅላሎት ሓሶት እንነብር ህዝቢ ዲና ክንኸውን? ኢሎም ዝሓተቱ ባይደን ከምኡ ዝበለ ህዝቢ ክንኸውን ኣይንፈቅድን።ቀፃሊ ጉዕዞና ነዚ ሓቂ ፈሊጥናምንባር እዩ እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ባይደን።

ባይደን ንዝተርኣየ ዕግርግርን ህልቂትን ሓላፍነቱ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ትራምፕ እዩ ዝወድቕ ኢሎም።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ካማላ ሃሪስ እውን መደረ ኣስሚዐን ኣለዋ።ከምቶም ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ዴሞክራስና ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት እናዘከርናዮም እንነብር ሽዱሽተ ጥሪ እውን ኣክንርስዖን ኢና ኢለን ምኽትል ፕሬዝዳንት ሃሪስ።

ብኻሊእ ዜና ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ መሪክ ጋርላንድ ዓቀብቲ ሕጊ ምንስቴር ፍትሒ ገበነኛታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ይሃልው ንዝፈፀሙዎ ዓመፅ ተሓተቲ ክገብሩዎም እዮም ኢሎም።

ኣሽማት ብሕጊ ዝሕተቱ ሰባት ኣይጠቐሱን።ግን’'ሓይ ሊ ንዘለዎምን ሓይሊ ንዘይብሎምን ዝተፈለየ ሕጊ ኣይህልን’’ኢሎም ኣለው።

ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ንሞት ሓሙሽተ ሰባትን መቑሰልቲ ልዕሊ 130 ምኽኒታ ዝኾነ ናይ ካፒቶል መጥቓዕቲ ካብ ፍሎሪዳ ንሎማዕንቲ ሓሙስ ክህቡ ሒዞምዎ ዝነበሩ ጋዜጣዊ መግለፂ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ሰሪዞምዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምስቲ ዓመፅ ብዝተኣሳሰረ ልዕሊ 725 ደገፍቲ ትራምፕ ተኣሲሮምን ብገበናት ተኸሲሶምን እዮም።

ካብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝመፀ ስካት ፓልመር ብሓደገኛ መሳርሒ ንፖሊስ ብምጥቕዑ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ኣሎ።

ፓልመር ቅድሚ እቲ ፍርዲ ንዳኛ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ንፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ኣማኸርቶምን ነቒፉዎም።ኣብቲ ደብዳበ ከምዚ ድማ በለ።’’ብዛዕባ ዝተሰርቀ ምርጫን ኣንፃር ውልቀ ምልኪ ስርዓት ከመይ ጠጠው ክንብል ከምዘለናን ናይ ሕሶት ተረኽ ይተፍኡ ነይሮም’’።

ፈሊፕ ማርኮዝ ዝተብሃለ ኣብቲ ዓመፅ ዝተሳተፈ ብወገኑ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ይዝረብ ዝነበረ ናይ ሓሶት ተረኻት ኣብቲ ዓመፅ ብምስታፍ ንቤት ፅሕፈት ሰኔት ክወርር ከምገበሮ ገሊፁ።ንሱ እውን ኣብ ዝተኸልከለ ህንፃ ብምርባሽ 18 ኣዋርሕ ናይ ኣመክሮ ግዜ ተፈሪዱዎ።

ልዕሊ ሰማኒያ ምእታዊ ኣብቲ ዓመፅ ዝተሳተፉ ብዝበዝሕ ባዕሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝለጠፉዎ ብዝተኣከበ መርትዖ እዩ።

ጀነፈር ሪያን ኣብ ናይ ካፒቶል ዓመፅ ብምስታፋ 60 ማዕልቲ ማእሰርቲ ተፈሪዱዋ ኣሎ።ከምዚ ድማ በለት።

‘’ናብ ካፒቶል ኣትየ ክልተ ደቓይቕ እየ ፀኒሐ።ከምኡ ምግባረይ ነስሓ ይስምዓኒ’'።

ካልኦት ግን ኣብ ጉዳዮም ሪኢቶ ኣይሃቡን።ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣፈጉባኤ ናንሲ ፐሎሲ ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዝአን እግሩ ዘንበረን ብሸውዓተ ጉዳያት ዝተኸሰሰን ሪቻርድ ባርነት ንበይኑ ዝተኣሰረሉ ሓዊሱ ብዛዕባ ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ቅሬታ ኣስሚዑ ኣሎ።

‘’ክትፈትውኒ ወይ ክትፀልኡኒ ትኽእሉ ኢኹም።ብዝፈፀምኩዎ ተግባር ክትፈትውኑ ወይ ክትፀልኡኒ ትኽእሉ።ንኹሉ ናተይ ነገር ክትፀልኡዎ ትኽእሉ።ንሱ ናብ ጎኒ ግደፉዎ ምኽኒያቱ እዚ ብዛዕባ ናተይ ጉዳይ ኣይኮነን።እዚ ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ ናይ ፌደራል ስርዓት ቤት ማእሰርቲን ኣብ ልዕሊ ሰባት ይፍፅሙዎ ዘለውን ዝምልከት እዩ’’ክብል መረረቱ ገሊፁ።

ኣርባዕተ ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ እዋን እቲ መጥቓዕቲ ህይወቶም ሓሊፉ።ሓደ ፖሊስ መኮነን ካፒቶል ብፅባሕቱ ህይወቱ ስኢኑ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሪችሞንድ ክፍሊ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝኾነት ካሮል ቶቢያስ ድሕሪ እቲ ምርጫ ተግባር ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ክትብል ትገልፆ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀዳማይ ዓመት መጥቓዕቲ ካፒቶል
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:22 0:00


XS
SM
MD
LG