ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሸይላ ኪቱሪት ን3ይ ኮሚተ ባይቶ ሕ/ሃ ሪፖርት ኣቅሪበን፣ኣምባሳደር ግርማ መልሲ ሂቦም


ሸይላ ኪቱሪት
ሸይላ ኪቱሪት

እቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኒውዮርክ ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃ ዝሳለጥ መድረኽ፣ ንጉዳያት በርማ፣ ኤርትራን ኢራንን ክምርምሩ ካብ ዝቆሙ ሰለስተ ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰላት ነናይ ሓደ ሰዓት ጸብጻብ ከዳምጽ’ዩ።

ሰለስቲኦም ኮምሽናት ብተከታታሊ ካብ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ኒውዮርክ ጀሚሩ ሪፖርቶም ናብ ሳልሳይ ኮሚቴ ባይቶ ሕ/ሃ ከቅርቡ’ዮም።

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሪፖርት ዘቅረባ ሸይላ ኪቱሪት’የን። ኣብ’ቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ፍሉይ ልኡኽ ኤርትራ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ካብ ሸይላ ኪቱሪትን ገለ ኣባል ሃገራትን ውድባትን ንዝተቃለሐ ስክፍታን ሻቅሎትን መልሲ ሂቦም ኣለው።

ትሕዝቶ ፍሉይ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራን መልሲ መንግስቲ ኤርትራን ጽባሕ ሓሙስ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

ሳልሳይ ኮሚተ ባይቶ ሕ/ሃ፣ንማሕበራዊ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ባህላዊን ጉዳያት ዝከታተል አካል ባይቶ ሕ/ሃ እዩ። ብዘይካ’ዚ፣ረብሓ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ህጻናት፣ ኩነታት ስደተኛታት፣ ዘርኣዊነትን ኣፈላላያትን፣ መሰል ርእሰ-ውሳነን ዝጥምት ኮሚተ’ዩ።

XS
SM
MD
LG