ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ኦሮምያ ዝወስዶ ስጉምታት ደው ከብል ይጽውዕ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኦሮሚያ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ደው ከብሎን መግሃስቲ ንዝፈጸሙ ድማ ተሓታቲ ምዃኖም ከረጋግጽን ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ክኢላታት ጸዊዑ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ሓይልታት ጸጥታ ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውምኦም ኣብ ልዕሊ ዝገልጹ ዘለው ሰልፈኛታት ብቐጻሊ ይውስዱዎ ዘለው ስጉምቲ ደው ከብሉዎ ይጽውዑ።እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓት ሰሙናት ልዕሊ 140 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ካልኦት ድማ ተኣሲሮም ይብል ።

‘ብዝሒ ዝተቐትሉን ዝተኣስሩን ዝሕብሮ ነገር እንተሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታቱ ከም ዓንቀፍቲ እምበር ከም መሻርኽቲ ዘይሪኦም ምዃኑ እዩ’ይብል መግለፂ እቶም ክኢላታት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባን ዞባታት ኦሮሚያን ደው ከምዘብሎ ዝሓለፈ 12 ጥሪ 2016 ዓ.ም.ፈ ምግላጹ ጽቡቕ ስጉምቲ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ ብዝቐጸልዎ መቕተልቲ፣ጃምላዊ ማእሰርት፣ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃምን ካልኦት መግሃስትታትን ግን ኣሻቒሉና’ሎ ይብል።

‘ተራ ሓይልታት ጸጥታ ንሰልፈኛታት ምሕላውን ሰላማዊ ኣኼባታት ክካየዱ ምድላውን እምበር ምዕፋን ኣይኮነን’ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ኣሸበርቲ ዝብል ሽም ብምሃብ ክኣስርን ክኸስስን ዝፈቅድ ሕጊ ጸረ ሽበራ እውን ዘለዎም ዓሚቕ ስኽፍታ ዝገለጹ ጉጅለ ክኢልታት፡ ሰላማዊ ተቓወምቲ ኣሸበርቲ ኢልካ ምምዳብ ንዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ጥራሕ ዘይኮነ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓቀኛ ግብረ-ሽበራ ንእተካይዶ ቓልሲ ዘሎ እምነት ዝሽርሸር እዩ ይብል እቲ መግለጺ።

እቶም ክኢላታት ሚስተር ሜይና ኪያ ፍሉይ ራፖርተር መሰላት ብሰላማዊ ናይ ምእካብን ናይ ምውዳብን ነጻነት፣ሚስተር ዴቪድ ኬይ ፍሉይ ራፖርተር ምስፍሕፋሕን ምሕላውን ርእይቶን ሓሳብን ናይ ምግላጽ ነጻነት፣ሚስተር ሚሸል ፎረስት ፍሉይ ራፖርተር ኩነታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሚስተር ክሪስቶፍ ሄይንስ ፍሉይ ራፖርተር አብ ጉዳይ ጃምላዊ ማእሰርቲ ወይ ብኣልማምት ምቕታልን እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00

XS
SM
MD
LG