ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብዬ፡ ሓይሊ ስግግር ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንደብዳብ መዓስከሩ ኮኒኑ


ኣብ ከተማ ኣብየይ አብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ስግግር ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሓንቲ ህጻንን ሓደ ኢትዮጵያዊ ወታደራዊ መኮነን ሞይቶም ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ቆሲሎም አብ ሆስፒታል'ታ ከተማ ይሕከሙ አለው።ሓይሊ ስግግር ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አብ ጉዳይ አብዬ ነዚ አብ ልዕሊ'ቲ መዓስከር ዝተፈጸመ ደብዳብ ኮኒንዎ'ሎ።

ካብቲ ደብዳብ ዝተተኮሱ ጠያይት ኣብ መንበሪ ገዛን ከባቢ ዋና ሓላፊ'ቲ ሓይሊ ኖክ ዶንካን ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ምዕራፎም ዝገለጸ መግለጺ ሓይሊ ስግግር ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አብ ጉዳይ አብዬ እቲ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ወጥሪ ዘጋድድን ዝበዓሰ ግጭት ዘለዓዕልን'ዩ ይብል። ይኹን ደአ እንበር እቲ መግለጺ ሽም እቲ ዝተቐትለ ወታሃደራዊ መኮንን ኢትዮጵያ ኣይገለጸን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ-ሙን ብወገኖም ነቲ ናይ ትማሊ ለይቲ መጥቓዕቲ አብ መዓስከር ሓይሊ ሕ/ሃ ብጽኑዕ ኮኒኖም።መንግስታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ድማ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ አካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንናይ ሕቡራት መንግስትታ ልኡኽ ሰላም ክሕግዙ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG