ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳበ ማተሰኣ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን መልሲ ኢሳትን


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያዊያን መራኸቢ ማዕኸናት ናብ ሃገሮም ኣትዮም ክሰርሑ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ/ማተሰኣ/ እቲ ፃውዒት ንኢሳት ከይሓውስ ዝፅውዕ ደብዳበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ፅሒፉ’ሎ።

ዳይረክተር ማተሰኣ ኣቶ ኣሉላ ሰለሞን ‘’ኢሳት 6 ታሕሳስ 2016 ኣ/ፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዘርኢ ብዕሊ ስለዝኣወጀ ይቕሬታ ከይሓተተን ካብ ተግባራቱ እውን ከይተኣደበን ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ክሰርሕ ምዕዳም ጌጋን ንሕገ መንግስቲ እውን ዝፃባእን እዩ’’ይብል።ኣብ ልዕሊ ኢሳት ክሲ ንምምስራት ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ እውን ገሊፁ’ሎ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ኣበበ ገላው ኣብዝሃቦ መልሲ እቲ መግለፂ ናይ ኢሳት ከምዘይኮነን የግዳስ ከም ሚዲያ ዝተልኣኸሉ ምዃኑ ሓቢሩ።’’እቲ ጌጋ ስለዝተረዳእና ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኣልዒልናዮ ኢና፤ኮይኑ እውን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ቃላት ተዘይኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ንምጭፍጫፍ ዝብል ትሕዝቶ የብሉን፤ዘልዓልናዮ እውን ንደረጃ ኢሳት ስለዘይምጥን እዩ’’ኢሉ።

ካብ ማተሰኣ ዝቐረበ ዝኾነ ይኹን ክሲ ከምዘየለን ጭብጢ ስለዘይብሉ ንቕድሚት እውን ዘኽስስ ከምዘይኸውንን ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ ኣቶ ኣበበ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:51 0:00

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራት ዋንጫ ዓለም 2026 ብኽንደይ ክዓቢ እዩ?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG