ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሴፍ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምግቢ ንምቕራብ ነፃ ናይ ኣየር መጎዓዝያ ሓገዝ ሓቲቱ


ወሃቢት ቃል ዩኒሴፍ ሞሪክሲ መርካዶ ብሕፅረት ኣመጋግባ ንዝተጠቕዑ ህፃናት ቀርኒ ኣፍሪካ ምግቢ ብህፁፅ ናይ ምቕራብ ጉዳይ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ ይብላ።

ትካል ህፃናት ሕቡራት መንግስታት /ዩኒሴፍ/ ህፁፅ ቀረባት ምብግቢ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምግዓ ነፃ ወይ’ውን ዓብይ ናይ ዋጋ ምጉዳል ዘልዎ ሓገዝ መጎዓዝያ ኣየር ንኽግበረሉ ሓቲቱ።ኣማእቲ ኣሽሓት ብጉድለት ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ህፃናት ህይወቶም ንምድሓን ህፁፅ ክንክን የድሊዮም ይብል እቲ ትካል።

ወሃቢት ቃል ዩኒሴፍ ሞሪክሲ መርካዶ ብሕፅረት ኣመጋግባ ንዝተጠቕዑ ህፃናት ቀርኒ ኣፍሪካ ምግቢ ብህፁፅ ናይ ምቕራብ ጉዳይ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ ይብላ።

ልዕሊ 2.3 ሚሊዮን ህፃውንቲ ብጉድለት ኣመጋግባ ኣዝዮም ዝተጠቖ ህፃውንቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣለው ዝበላ እተን ወሃቢት ቃል ’’ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሓገዝ እንድሕር ዘይረኺቦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ሙሊዮን ክሞቱ እዮም።ሓደ ህፃን ናይ ምግቢ ክንክን እንድሕር ረኺቡ መሊኡ ንኽሓዊ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ይወስደሉ።ህይወት ህፃውንቲ ዘድሕን ምግቢ ንምጉዕዓዝ ነፃ ወይ’ውን ዓብይ ናይ ዋጋ ምጉዳል ንኽገብሩልና ንኢንዱስቱሪ መጎዓዝያ ኣየር ፃውዒት ነቕርብ ኣለና።’’ኢለን።

ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኬንያ፡ኢትዮጵያ፡ጂቡቲን ሱማሊያን ዝርከቡ ናብ 12.5 ሚሊዮን ዝፅግዑ ሰባት ዋሕዲ ምግቢ ኣጋጢሙዎ ይርከብ ይብል።

ህዝቢ ሱማሊያ ብፍላይ ብማንታ ጥፍኣት ማለት እውን ብግጭትን ድርቅን ኣዝዮም ተጠቒዖም ኣለው።ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ደቡባዊ ሱማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ምሉእ እቲ ከባቢ ክጋፋሕ ከምዝኽእል ሕቡራት መንግስታት ኣጠንቂቑ’ሎ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ካብ 7.5 ሚሊዮን ህዝቢ ሱማሊያ እቶም ርብዒ ኣለሻ ሓገዝ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ወይድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ኣለው ክብል ፀብፂቡ።ኣብ ደቡባዊ ሱማሊያ 1.25 ሚሊዮን ህፃናት ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሃገዝ የድልዮም ይብል እቲ ትካል።

መርካዶ ከምዝገለፅኦ ትካለን ዩኒሴፍ ንጥዕና ዝሕግዝ ፍሉይ ዝኾነ ምግቢ እንተረኺቡ ህይወት እቶም ህፃውንቲ ከድሕን ከምዝኽእል ሓቢረን።ዩኒሴፍ ኣብ ቤልጀም፡ፈረንሳይን ጣሊያንን ኣብዝርከቡ መኽዘናት ልዕሊ 5,000 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከምዘለዎ ወሲኸን ኣፍሊጠን።

እዚ ብኣመጋግባ ጉድለት ንዝተጠቕዑ 300 ሽሕ ህፃናት እኹል እዩ ይብላ።ኣብ ውሽጢ ስዓታት ናብ ናይሮቢ ምግዓዝ ከምዝክኣል ዝሓበራ መርካዶ ዋጋ መጎዓዝያ ኣየር ግን ኣዐሪዩ ኽባር ምዃኑ ገሊፀን።

ሕቡራት መንግስታት ካብ ዘቕረቦ ናይ ድርቂ ፃውዒት 44 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝረኸበ ፀብፃብ ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ይገልፅ።ተወሳኺ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ብህፁፅ የድሊ።

ዩኒሴፍ እውን 314 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ ክሳብ ሎሚ ሲሶ ጥራሕ ረኺቡ’ሎ።ምስቲ ዘድሊዮ ብምንፅፃር ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

XS
SM
MD
LG