ሃና ጎደፋ እትድነቕ መንእሰይ።ካብ ኢትዮጵያዊያን ወለዳ ኣብ ካናዳ ተወሊዳ። ሓቂ ንምዝራብ ትብ ንሳ ‘’ናይ ዩኒሴፍ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ምዃነይ ኣብዚ ሓፂር ናይ 16 ዓመት ዕድመይ ዝዓበየ ታሕጓስ ካብ ዝፈጠሩለይ ሓደ እዩ’’ትብል።
እቲ ማዕረግ ዝተውሃባ ገና ኣብ 15 ዓመታ፣ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ 2013 ኣ/ፈ ነይሩ።ካብቲ እዋን ጀሚራ ሃና ኣዋልድ ናብ ትምህርቲ ክኣትዋ ምግባር ረብሓታቱ ንምልዕዓልን ንምፍላጥን ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካን ትመላለስ ኣላ።
ናይ እርሳስ ጎቦ ፕሮጀክት/ Pencil Mountain project/ ብዝብል ሽም ትካል መስሪታ።እቲ ትካል ንትምህርቲ ዝውዕሉ ልዕሊ 500 ሽሕ ኣቑሑት ከምዘከፋፈለ ትገልፅ ሃና።