ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ቁጽሪ ንመርመርቲ ኣባላት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናይ ምብጻሕ እገዳ ዘመሓላለፋ ሃገራት ወሲኹ" ኮሚሽነር ዛይድ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ራዓድ ኣል ሑሴን ቁጽሪ ንመርመርቲ ኣባላቱን ወኪላት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ምብጻሕ እገዳ ዘመሓላለፋ ሃገራት ይውስኽ ምህላው ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ኣል ሑሴን ነዚ ዘፍለጠ ኣብ ስዊዝ ጀነቫ ሎሚ ሰሉስ 13 መስከረም ንኣባል ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ክኸውን እንከሎ: ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ሶርያ፥ ሰሜን ኮርያ: ቬነዝወላን በላሩስን በቲ ኮሚሽን ይኹን ብኻልኦት ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕማም መርመራ ጉዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ሓላፍነት ንዝተሰከሙ ወገናት ዕንቅፋት የጋጥሞም ምህላው ምጥቃሱ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።

“ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣየብቅዕን’ዩ እንድሕር መንግስታት ንኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ማዕጾአን ዓጽየን” ዝበለ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ኣል ሑሴን: ሃገራት መዓጹአን ክዓጽዋ ይኽእላ እየን: ንዓና ስራሕና ካብ ምስራሕ ክዕምታና ግን ኣይክእላን እየን ኢሉ።

​እንድሕር መእተዊ ተነፊጉና ዝኸፍአ ኩነታት ተፊጢሩ ከምዘሎ'ዩ መረዳእታና ዝበለ ኮሚሽነር ዛይድ: “ዘለና ኣማራጺ ብርሑቕ ቃል መሰኻኽር ብምስማዕ: ተኣማኒ ጸብጻባት ሳልሳይ ወገን ብምእካብ: ኣሳእል ሳተላይት ብምእካብን ካልእ ኣገባባት ምጥቃም እዩ” ኢሉ።

ንሶርያ ኣብ ዝመልከት ኮሚሽነር ዛይድ “ ካብ 2011 ዝኾነ ኣባል ተቖጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከመዘይበጽሐ ኣፍሊጡ።

መርመርቲ ንኽበጽሑ ብቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንሶርያ ተደጋጋሚ ሕቶ'ኳ እንተቐረበ እቲ ቅልውላው ሶርያ ካብ ዝብገስ ካብ 2011 ዝኾነ ፍቓድ ኣይተዋህበን። ሶርያ ብናይ ሕክምና ድሕረ ባይታ ዘለዎኳ ትመሓደር እንተሃለወት ንገዛእ ዜጋታቱ ብጋዝ ከምዝዓፈነ ንሆስፒታላት ከምዘጥቅዐ ሰላማዊ ዜጋታት ንዝነብሩሉ ከባቢታት ብዘይ ኣፈላላይ ብተባራዕቲ ደብዲቡን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ድማ ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከምዝሞቕሐ ይእመን። ነዚ ተግባራት’ዚ ንዕኡ ብዝዳረግ ብልክዕ ዝኹንን ቃላትውን ኣይረኽበሉን” ድማ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG