ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘትዩ


ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ጽንኩር ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምእላይ ስጉምቲ ምድንጓያ ደው ከተብል አለዋ ክብላ ፍልይቲ ራፖርተር ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሺላ ኪቱራት ኣብ ሓድሽ ጸብጻበን ኣፍሊጠን።

ዜጋታት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ብቀጻሊ ይሳቐዩ’ለው ክብላ ገሊጸን።

ኤርትራ ብወገና እቲ ሓድሽ ጸብጻብ’ተን ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝገበረቶ ሓያለ ዑደትን አንጻር ኤርትራ ፍሉይ አጀንዳ ካብ ዘለዎም አብ ዝረከበቶ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ’ዩ ክትብል መሊሳ’ላ።

ፍልይቲ ራፖርተር ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሺላ ኪትሩት ኣብቲ ሓድሽ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቕረብኦ ጸብጻብ ዜጋታት ኤርትራ ብቀጻሊ ብዘይ ምክንያት ማእሰርቲ፡ መሰል ምብጻሕ እሱራት ኮነ ግዱድ ሓለዋት ምጥፋእ ባርነት ዝምጥን ሃገራዊ ኣገልግሎት ይሳቀዩ ኣለው ኢለን።

ንሰን ክሳብ’ዛ ዕለት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኮሚሽን መርማሪ ክንዲ ገበናት ጸረ ሰብ ኣዊነት ከምዝኸውን ዝተገልጸ ቀጻሊ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ደው ንምባል ጻዕሪ ከም ዘይገበረ ክገልጽ ከለኹ እጉሂ ክብላ’ውን ተዛሪበን።

ኤርትራ ንምክባር ንሰብኣዊ መሰላት ተባዕ ስጉምቲ ክትወስደሉ ዝግባእ ጊዜ ካብ ዝግብኦ ሓሊፉ’ዩ ዝበላ ሺላ ኩትሩት እቲ መንግስቲ ካብ ዝአተዎ ቃል’ውን ዋላ ሓደ ኣይፈጸመን ኢለን።

ሰበ ስልጣን ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክብልዎ ዝጸንሓ ጣቛ መደረ ሰጊሮም ክኸዱ ጸዊዓን።

መንግስቲ ኤርትራ ብመሰረት ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ግዴትኡ ክፍጸም አለዋ ክብላ’ውን ሺላ ኪትሩት ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቕረብኦ ሪፖርት ተዛሪበን።

ኣብቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምላሽ መንግስቶም ዝሃቡ ናይ ኤርትራ አምባሳደር ተስፋ ሚካኤል ገራህቱ እዚ ናይ ሺላ ኪትሩት ሓድሽ ጸብጻብ ከምቶም ዝሓለፉ ሓያለ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ዑደትን አንጻር ኤርትራ ጎዳኢ አጀንዳ ካብ ዘለዎምን መሰረት ዝገበረ’ዩ ኢሎም። ክዝኸር ዘለዎ ኸአ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ናይ ውግእ መርገጺ ዘለዋ ጥራይ ዘይኾነስ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተቃውሞ ልዕሊ 800 ሰላማዊያን ሰባት ዝቐተለን ካልኦት 26 ሽሕ ዝአሰረትን ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ትርኸብ ሃገር’ያ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG