ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ አተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ


ራፖርተር ሺላ ኪተሩት
ራፖርተር ሺላ ኪተሩት

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 13 መጋቢት,2017 ዓ.ም ካብ ፍልይቲ ራፖርተር ንአተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ሺላ ኪትሩት ጸብጻብ ሰሚዑ። መንግስቲ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂቡሉ’ሎ። ዝተፈላለየ ሃገራትን ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላትን ርእይቶአን ሂበናሉ’ለዋ።

አባል’ቲ ንአተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ተመስሪቱ ጸብጻቡ ዘቕረበ መርማሪ ኮሚሽን ዝነበራ ፍልይቲ ራፖርተር ሺላ ኪተሩት ኣብቲ ንቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘስሞዕኦ መደረ እቲ መርማሪ ኮሚሽን እቶም ገበናትን ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታቲ ዝኾኑ ፈልዩ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ሰነ 2016 ዘቕረበ ምኻኑ ገና ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ይቃልሕ’ሎ ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ተሓታትነት ንዝሓለፈ ምግሃሳትን ገበናት ብነጻ አካል ክረጋገጽ እቲ ኮሚሽን ንዘቅረቦ መጸዋዕታ ዝተወሰደ ጭቡጥ ስጉምቲ ምህላው ዝፈልጦ የብለይን ኢለን።

ኣብዚ ጸብጻብ ራፖርተር ሺላ ኪተሩት ምላሽ ዝሃቡ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ አቶ ዑስማን እድሪስ አደም ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ሓፈሻዊ አቀራርባ ዘሎ መሪጽካ ዝግበር አድልዎ፡ ፖለቲካዊ አድልዎን አጀንድኡን ካብ ካብ ዝኣረገ ዝተደጋገመ ጸብጻባትን ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብዙሓት መንግስታትን ዘይሻራዊያን አካላትን ጽቡቕ ጌሮም ዝፈለጥዎ ኮይኑ`ሎ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG