ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠመተ ክረክብ ጸዊዑ


ሎሚ ተዘኪሩ ዝውዓለ ናይ ሕቡራት ሃገራት መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ ስደተ ጠመተ ክረኽብ ይፅውዕ።ብሰንኪ ኲናትን ህውከትን ልዕሊ 65 ሚሊዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ካብኦም ልዕሊ 22 ሚሊዮን ስደተኛታት እዮም።

ኣብ ሶሪያ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተኻየደ ኲናት ሓድ ሕድ ብዙሓት ኣደዳ ስደት ኮይኖም።ኣብቲ ኲናት ይሳተፉ ዘለው ወገናት ወይ ንሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ብዝተቖፃፀረ ዳዒሽ ዝርከቡ ሰባት ግዳያት መጥቓዕቲ ኮይኖም።ዳዒሽ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ትሕዝቶታቱ ይስእን እንተሎ’ኳ ካብ መንበሪኦም ዝሃደሙ ሰባት ክምለሱ እንተኾይኖም ግን ርግፀኛታት ኣይኮኑን።ኣብ ሊባኖስ ብስደተ እንተነብር ሶሪያዊት ከምዚ ትብል።

“ኩነታት ፀጥታ እንተድኣ ዘይተመሓይሹ ኣይንምለስን።ኣበይ ክንነብር?ኣበይ ክንበልዕን ክንሰትን?ኣባይቶም ዝስኣኑ ክሰርሑ ወይ ስድራ ክምስርቱ ኣይክእሉን እዮም።እንታይ ክሰርሑ እዮም ዝምለሱ?”

መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ኣብ ሳልሳይ ሃገር መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዝረኽቡ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተሰርሑ ናይ ድንኳን ከተማታት ይነብሩ።10 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ጆርዳን ንኣስታት 700 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቑባ ትርከብ።ገሊኦም ግዳያት መስቀይትን መግሃስትን እዮም።ሓደ ንሰብ-ሙያ ሕጊ ዝሓቖፈ ዓለምለኸ ትካል ኣብ ጆርዳን ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ 50 ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ይርከቡ። እዚ ሪድ ስሚዝ ረፊጂ ፕሮቴክሽን ፕሮጀክት ኣብ ዝተባህለ ንስደተኛታት ዝሕለቕ ትካል ትሰርሕ ጀይን ፊለሚንግ ከምዚ ትብል።

“ንተጠቀምቲ ዝዛረቦም ነገር ንርእስኹም ክሳብ ትኽእሉ ክንሕግዘኩም ኢና፤ብእግርኹም ደው ኢልኩም ንርእስኹም ክሳብ ትሕግዙ ኣለናልኩም ኢና ንብሎም።10 ዓመታት ክወስድ ይኽል፣20 ዓመታት ወይ ዕድመ ልክዕ እውን ክወስድ ይኽእል ግን ንምሕጋዝ ቅሩባት ኢና።”

ናብራ ስደተኛታት ካብ ህዝብን ናይ ውልቂ ለገስትን ኣብ ዝርከብ ሓገዝ ዝተመስረተ እዩ።በዝሖም ብዝወሰኸ ቁፅሪ ድማ ንዕኦም ንምሕጋዝ ገንዘብ እናውሓደ ይመፅእ።ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ተወሳኺ ሓገዝ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ።ዜጋታት ኣመንቲ እስልምና ዝኾና ሃገራት ንፕሮግራም ስደተኛታት ክሕግዙ ንምሕታት ዘኽእሎ ካብ መራሕቲ ኣምነቲ እስልምና ብርክት ዝበላ ሃገራት ፍቓድ ረኺቡ’ሎ።

ገለ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾና ሃገራት ንስደተኛታት ክሕግዛ ዘኽአለን ከምዝኾነ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ሓላፊ ህዝባዊ ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ኣቡ ኣሳከር ይገልፁ።እቲ ዝርከብ ሓገዝ ብምሉኡን ብቐጥታን ናብቲ ናይቲ ትካል ፕሮግራም ከምዝኸይድ ወሲኾም ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG