ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ፡ካብ ቀርኒ አፍሪቃ ባሕሪ ሰጊርካ ንዝካየድ ስደት የጠንቕቕ


ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ( UNHCR) አብ ዓመተ 2015 ጥራይ መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያን ዝርከብዎም፡ 92,000 ስደተኛታት ቀርኒ አፍሪቃ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ብምስጋር የመን ከምዝኣተውን፡ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመተ 2016 ድማ 36 ሰባት አብዚ ጉዕዞ ምሟቶምን ኣፍሊጡ`ሎ።

ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ጥራይ ኣስታት 92,446 ሰባት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ብምቁራጽ አብታ ብቀጻሊ ግጭት ትሕመስ ዘላ የመን ኣትዮም። ካብ መንጎ`ቶም ስደተኛታት፡ 90 ሚእታዊት ማለት 82,268 ኢትዮጵያዊያን ምኳኖም ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ቁጽሪ አብ ዝሓለፉ አሰርተታት ዓመታት ካብ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ዝበዝሐ ቁጽሪ’ዩ። ካብዚኦም እቶም ክልተ ሲሶ ድማ፡ እቲ አብ የመን ዘሎ ግጭት ካብ ዝጅምረሉ መጋቢት, 2015 ናብታ ሃገር ዝተስደዱ ክኾኑ ኸለው አብዚ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛታት አብ መላእ ዓለም አብ ዝተመዝገበላ ዓመት 2015፡ 95 ሰባት ናብ የመን ንምብጻሕ አብ ዘኻየድዎ ጉዕዞ ሞይቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ፡ካብ ቀርኒ አፍሪቃ ባሕሪ ሰጊርካ ንዝካየድ ስደት የጠንቕቕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00

XS
SM
MD
LG