ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኡጋንዳን ብዝተፈጥረ ግጭት 10 ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ተቐቲሎም


ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ ኣብ መንጎ ነበርትን ስደተኛታትን ብዝተፈጥረ ረፅሚ እንተወሓደ 10 ሰባት ምስ ተቐትሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን ሰበስልጣንኡጋንዳን ሰላም ንምስፋን ይሰርሑ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም።ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ኣተኣናገድቲ ማሕበረሰብን ብሓባር ኣብ ዝጥቀምሉ ማይ ብዝተፈጥረ ጭቕጭቕ እዩ እቲ ጉድኣት ወሪዱ።እቲ ግጭት ብዙሕ ስደተኛ ተተኣናግድ ኣብዘላ ኡጋንዳ ናይ ፀጋታት ሕፀረት ስግኣት ምዃኑ ዘጉልሀ እዩ ይብሉ ተሓልቕቲ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት UNHCR ምርግጋእ ክፍጠርን ንስድተኛታት ዝቐተለ ህውከት ድማ ምርመራ ክካየድን ፅዊዑ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ብዘጋጠመ ግጭት 10 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 19 ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ቲካ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ናይ ገጠር ዓዲ ዝርከብ ሪኖ መዕቖቢ ስደተኛታት ክልቲኦም ሓቢሮም ኣብ ዝጥቀምሉ ማይ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ስዒቡ ደማዊ ጎንፂ ተፈጢሩ ኢሎም ሰበስላጣን።

ኣብ ኡጋንዳ ናይ UNHCR ወኪል ጆል ባውትሩ እቲ ህውከት ዘፍርሕ እዩ ኢሎም።

‘’ብኣተናገድቲ ማሕበረሰብ ዝተወሰደ መጠኑ ዝሓለፈ ግብረመልሲ እቶም ስደተኛታት ምስኡጋንዳዊያን ብሰላም ሓቢሮም ኣብ ምንባር ስግኣት ክፈጥር ከምዝኽእል መርኣያ ምልክት እዩ’’ምስበሉ ኣስዕብ ኣቢሎም‘’ሕፅረት ፀጋታት ተፈጥሮ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓርቢሓደጋ ኣሻቓሊ እዩ’’ ኢሎም።

15 ኣባይቲ ስደተኛታት ተቓፂሎም ኣስታት 26 ኣባይቲ ድማ ከምዝተወረሩ UNHCR ሓቢሩ።

ናይ ኡጋንዳ ናይ ስደተኛታት ምንስቴር ሙሳ ኤክወሩ እቲ ኣጋጣሚ ዘሕዝን ክብሉ ብግላፅ ምርመራ ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

ስደተኛታት ንሓደ ቆልዓ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ቀጥቂጦም ከምዝቐተሉዎ ኤክወሩ ገሊፆም።

እቶም ስደተኛታት በቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶም ስነ ኣእሙራዊ በሰላ ንምሕጋዝ ጉጅለታት ናብቲ ከባቢምልኣኹ UNHCR ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፈፃሚ ዳይረክተር ዓለምለኸ ተበግሶ መሰላትስደተኛታት ዝኾነ ኣቺየንግ ኣኬና ብሰንኪ እገዳታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጎድአ ቁጠባ ኡጋንዳ ንብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ንስደተኛታት ናብራ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ገይሩዎ ይርከብ ኢሎም።

ጥፍኣት ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ’ውን ፀዊዖም።’’ግቡእ መቕፃዕቲ ክውሰድ ኣለዎ።ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ቐሪቦም ፍርዶም ክረኽቡ ኣለዎም’’ ኢሎም።ሕጋዊ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱን እቲ ማሕበረሰብ ፍትሒ ኣይተረጋገፀን ኢሉ እንተ ኣሚኑን እቲ ቀፃላይ ግጭት ዝኸፍአ ክኸውን እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ዓለም ኣብ ኮቪድ-19 ጠመተ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ኣተኣናገድቲ ማሕበረሰባትንነታ ዘላ ሒደት ፀጋ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ዝማቐሎ ኮይኑ እንተድኣ ተሰሚዑዎ ወጥሪ ክንህር ከምዝገብርንስደተኛታት ዝሕለቑ ኣክቲቪስታት ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG