ኣብ ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ደቡብ ሱዳን ብዝተልዓለ ከቢድ ውግእን ብሕፅረት ምግብን ዓሰርተታት ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ንክሃድሙ ተገዲዶም ኢሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት/UNHCR/።
ዩኒትን ኣፐር ናይልን ኣብ ዝተብሃላ ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ደቡብ ሱዳን ብዝተኻየደ ውግእ ኣብቶም ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጥን ናብ ወፃኢ ሃገራትን ተመዛቢሎም ኣለው ብመሰረት መግለፂ UNHR።
ብምኽንያት ውግእ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ከባቢ 650 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ኣይተኽኣለን።
ተመዛቢሎም ካብዝተብሃሉ 100 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን እቶም 60 ሽሕ ናብ ዝተፈላለያ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝተሰደዱን ካብዚኦም እቶም 15 ሽሕ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተውን ኣቶ ክሱት ገብረእግዛብሄር ኣብ ኢትዮጵያ ኣቐባሊ ቃል UNHRC ገሊፆም።
ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው 15 ሽሕ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከምዝርከቡን ኣዚዮም ውሱናት ናብ ከተማ ኣሶሳ ከምዝኣተውን ኣቶ ክሱት ወሲኾም ሓቢሮም።ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም እዮም እዞም ሓደሽቲ 15 ሽሕ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ኢሎም።
‘’ኩሎም ዝደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጋምቤል ኣብ ሽዱሽተ ናይ መዕቖቢ ካምፕታት ይነብሩ ኣለው’’ ዝበሉ ኣቶ ክሱት ካሊእ ተወሳኺ ካምፕ ንምስራሕ እውን ፃዕርታት ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምትእንጋድ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ልዕሊ 700 ሽሕ ስደተኛታት ተተናግድ ኣላ ምስ በሉ ዋላ’ዃ እኹል እንተዘይኮነ እውን UNHCR ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መዕቖቢ ስደተኛታት ንዝርከቡ ስደተኛታት ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ናይ ህይወት ምድሓን ስራሕቲ እናሰርሐ እዩ ኢሎም ኣቶ ክሱት።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣ/ፈ ኣብ መንጎ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳላቫ ኪርን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሎሚ መራሒ ዓመፅቲ ሪያክ ማቻርን ግጭት ተላዒሉ እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ካብ እትኣቲ ኣሽሓት ተቐቲሎም፣ኣማእቲ ኣሽሓት ድማ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ተመዛቢሎም ኣለው።ካብ 11 ሚሊዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ኣስታት 3.8 ሚሊዮን ሰባት ዳርጋ ሲሶ ማለት እኹል ምግቢ ኣይረክብን ዘሎ ወሃቢ ቃል UNHCR ኣድሪያን ኤድዋርድስ ኣብ ጄኔቭ ብመሰረት ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለፂ።