ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ናብ የመን ዘምርሑ ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ኣሰቃቒ ኩነታት የጋጥሞም" ኮሚሽን ስደተኛታት ው/ሕ/ሃ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓተቲ ዑቑባን ስደተኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ የመን ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታትን ገበኛታትን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተታሒዞም ከምዝርከቡ ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን የመን ናይ ዝኣተውን ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ዓደን ተታሒዞም ናይ ዝርከቡን ኣስታት 100 ሶማሊያዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ስደተኛታት ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዊሊያም ስፒንድለር እቶም ሓደሽቲ ዝኣተው ኣብ ኣዚዩ ዘሻቕል ኩነታት ከምዝርከቡ ገሊፆም።

“ኣብቶም ናይ መዳጎኒ ማእኸላት ብዙሕ መግሃስቲ ይፍፀሞም።ሓደሽቲ በፃሕቲ ግዳያት ኣካላውን ፆታውን ዓመፅ ይኾኑ።ሰባት ክቕተሉ፣ክቕጥቀጡ፣ኣባፅሕን ትሕቲ ዕድምን እንትድፈራ፣ሰባት ጥራሕ ዝባኖም ወፂኦም ክዋረዱን ካልኦት ክርሸኑ ከለው ድማ ክዕዘቡን መግቢ ክኽልከሉን ምርኣዮም ካብቲ ኩነታት ዝድሓኑ ንትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ የመን ሰባት ዝእሰርሉን ንዝተፈላለዩ መስቀይቲ ዝቃልዕሉን ቁፅሮም ዘይፍለጡ ግዚያዊ መእሰሪ ማእኸላት ከምዘለው ስፕሊንደር ይገልፁ።

ስፕሊንደር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብቶም መዳጎኒ ማእኸላት ብርክት ዝበሉ ፃዕርታት እንተገበረ እውን ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሃገር ብዓል ስልጣን መን እዩ ዝብል ንምፍላጥ ከምዘጸግም’ውን ይሕብሩ።

ኣብታ ዝተኸፋፈለት ሃገር ስርዓት ኣልቦነት ስለዝነገሰ ንመን ከምዝጥራዕ እውን ስለዘይፍለጥን ብነጋዶ ደቂ ሰባት ንዝተትሓዙ ሰባት ምርካብ ከምዘይክኣልን ወሲኾም ገሊፆም።ሰባት ናብ የመን ንዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ ከወግዱ ንትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ የጠንቅቕ።

ሶማሊያዊያን ንዕቑባ ኢትዮጵያዊያን ድማ ንዝሓሸ ናብራ ክብሉ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ናይ ምጥላቕ ሓደጋ የጋጥሞም እቶም ካብ ምጥላቕ ዝድሓኑ ድማ ንሕማቕ በደል ይቃልዑ።

እዚ ኮይኑ እውን ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 87 ሽሕ ሰባት የመን ከምዝኣተውን ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ብተመሳሳሊ ይኣትው ከምዘለውን ሓቢሮም።


XS
SM
MD
LG