ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ልዕሊ 1ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ አጣይሱ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት(UNHCR) ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ምጥያሱ ገሊፁ።ንካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ እውን ከምዝወፅእን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊቢያ ኢሰብኣዊ ብዝኾነ ተታሒዞም ንዝርከቡን ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ይሰርሕ ምህላውን ገሊፁ’ሎ።

ሰበስልጣን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ናዳዪ ዘይብሎም ትሕተ ዕደመ ቆልዑ ንምውፃእ ክሰርሑ ፀኒሖም ኣለው።ኣብ ኢጣልያ ኣቐባሊ ቃል እቲ ትካል ካርሎታ ሳሚ ካብታ ሃገር ክወፁ ምግባር ካብ ናዕብን በደልን ወፂኢኻ ሓድሽ ህይወተስፋን ዕድልን ምንባር ማለት እዩ ኢለን።

“ኣብ ሕማቕን ኣዚዩ ኣፀጋሚን ኩነታት ንዘለው ካብታ ሃገር ምውፃእ መፍትሒ እዩ።ህይወት ናይ ምድሓን ፍታሕ እዩ።”

መብዛሕቲኦም ኤርትራዊያን፣ደቡብ ሱዳናዊያንን ሶማሊያዊያንን እዮም።ኣብ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወፁ ምስ ሰበስልጣን ሊቢያ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ።

ኣብ መጀምሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ልዕሊ 8,000 ሰባት ብምሕረት ዘይብሎም ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ኣቢሎም ብባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ከምዝተጉዓዙ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊፆም ኣለው።

“ክንገብሮ ዘለና እዞም ሰባት እዚኣቶም እናኸዱ ኣብ ኢድ እዞም ነጋዶ ደቂ ሰባት ከይወድቑን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከይእትውን ክንከላኸል ኣለና።”

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣገልግሎት ምርመራ ጥዕና፣መግብን ኽዳንን የቕርብ።እቶም ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ናብ ዝርከቡ መቐበሊ ማእኸላት ይውሰዱ።ስዒቡ ናይ ዕቑባ ሕቶ፣ስልጠናን ይረኽቡ።ሃገራት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ሓገዝ ክገብራ ይፅውዓ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት እንተወሓደ ካልኦት 1,000 ሰባት ካብ ሊብያ ንምውፃእ ተስፋ ኣለዎ ዝበላ ወሃቢት ቃል እቲ ትካል፤ርግፀኛ ክኾና ግን ኣይክኣላን።ሃገራት ኣውሮጳ ተወሰኽቲ ሓተቲ ዑቑባ ንምውሳድ ድሉዋት ኣይኮናን ይብላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ልዕሊ 1ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ አጣይሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00

XS
SM
MD
LG