ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንዕቑባን ስደትን ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ገይሮም ይብል UNHCR


የተባበሩት መንግሥታት የስደተኞች ጉዳይ ከፍተኛ ኮሚሽነር
የተባበሩት መንግሥታት የስደተኞች ጉዳይ ከፍተኛ ኮሚሽነር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00


ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሃገራት ፖለቲካዊ ዕቑባ ወይ ስደት ደሊዮም ሓደጋኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ንዘካይዱ ኣሽሓት ሰባት ሓለዋ ክህባ ይሓትት ኣሎ።ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣንተኒዮ ጉተረስ ሃገራት ህይወት ተስፋ ዝቖረፁ ንምድሓን ጭቡጥ ስጉምታት ክወስዳ ንሃገራት ንምእማን ናይ ኽልተ ማዕልታት ፍሉይ ኣኼባ የተኣናግዱ ኣለው።

ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ፖለቲካዊ ዕቑባን ስደተን ብምድላይ ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ከምዝገበሩ ትካልስ ስደተኛታት /UNHCR/ ይግምት።እዚ ሓደገኛ ጉዕዞ እዚ 4,272 ዝተፈለጠ ሞት ኣስዒቡ’ሎ።

ብሜዲቲራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ንምስጋር ዝፈተኑ ዝበዝሑ ተጎዓዝቲ ካብ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን እዮም።ወሃቢ ቃል UNHCR ኤድሪያን ኤድዋርድስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናትን ድኽነትን ንሰባት ብባሕሪ ክሰግሩ የገድዶም ኣሎ ኢሎም።

ትኹረት ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ህይወት ኣብ ምድሓን እዩ ኢሎም ኤድዋርድስ።ሰባት ስለ ምንታይ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ጉዕዞ ይፍፅሙ ከምዘለው ሱር ምኽንያት ከይተረዳእና ነቲ ፀገም ምፍታሕ ኣይክኣልን ኢሎም።’’ሓደ ሰብ ካብ ኲናት፣ካብ ግጭት ይሃድም እንተሃሊዩ፣ዕቑባ እንተሓቲቱ ብኣንፃሩ ኣይንቕበለካን እንተድኣ ተባሂሉ እዚ ሰብ እዚ ሓደጋ ከጋጥሞ ዕድሉ ትውስኽ ኢኻ ዘለኻ’’ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ስለዚ እቲ ቁምነገር ምኽልካል ጥራሕ ነቲ ሽግር ፍታሕ ክኸውን ኣይኽእልን።ኩሉ ነገር ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክትሪኦ ኣለካ’’ኢሎም።

ኣብ ክንዲ መፍትሕታት ሽግራት ምርኣይ ይቐልል ይብሉ ኤድዋርድስ።ሓተቲ ዕቑባ ክውሕዙ ዘገድዱዎም ዘለው ጠንቂ ሽግራት ካብ ምንጮም ምርኣይ ኣይድላዪ እዩ ይብሉ ብምውሳኽ።ሰባት ደሕንነቱ ብሕጋዊ መንገድታት ወፂኦም ዕቑባ ዝሓትሉ ወይ ናይ ጉዕዞ ቪዛ ዝረኽብሉ መንገዲ ክሓስቡ ኣለዎም ኢሎም ኤድዋርድስ።

ዘይምዕዳል ኮይኑ ግን ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል ገለ መንግስታት ዘእምን ምኽንያት ንዘለዎም ዕቑባ ኣብ ክንዲ ምሃብ ወፃእተኛታት ካብ ሃገሮም ንምብራር ቀዳምነት ሂቦም ከምዝሰርሕሉ ይገልፁ።

ብዙሓት ሃገራት ናብ ሃገረን ናይ ዝኣትው ሰባት ህይወት ኣብ ክንዲ ምድሓን ሓለዋ ዶበን ናብ ምጥንኻር ገፀን የዝራ ከምዘለዋ ንዕዘብ ኣለና፤እንተኾነ ኣብ እዋንን ድሕርን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣካል ሰብኣዊነትና ዝነበረ ንሰብኣዊ መሰላትን ዕቑባ ናይ ምሕታት መሰልን ክነኽብር ኣለና ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ብባሕሪ ንዝፍፀም ስደትን ምንቅስቓሳት ገበነኛታትን ዓብዪ ዓለምለኻዊ ጠመተ ክወሃቦ ከምዘለዎ ተሰማሚዖም ኣለው።ተጎዓዝቲ ገበነኛታት ከምዘይኮኑ የግዳስ ተስፋ ካብ ዝቖረፁ ንፁሃን ትርፊ ዝረኽቡ ገበነኛታት ነገድቲ ደቂ ሰባት ግዳያት ምዃኖም እውን ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ሃገራት ነዚ ምዝመዛ እዚ ክከላኸላን ዝሓሸ መፃኢ ንዝደልዩ ሓተቲ ዕቑባን ስዱዳትን ሓለዋን ተስፋን ክህብኦምን ርትዓዊ ነገር እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG