ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኣውሮጳ ዝስደዳ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝለዓለ ሓደጋ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ይቃልዓ ኣለዋ ይብል ሕ/ሃ


ንዝሓሸ ውሕስነት ናብ ኣውሮጳ ዝስደዱ ዘለው ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ኣብ ጉዕዝኦም ንዝለዓለ ሓደጋ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ይቓልዑ ኣለዉ ክብል ሕ/ሃ ኣጠንቂቑ። ብናይ ሕ/ሃ ጉጅለ ልኡኻት ትካል ስደተኛታትን ትካል ኮሚሽን ስነ ህዝቢን ዝተገብረ ሓባራዊ መጽናዕቲ ኣዋልድን ደቂ-ኣንስትዮ ስደተኛታት ካብ ዓመጽ ንምክልኻል ዝውሰድ ስጉምትታት እኩል ኣይኮነን ክብል ገምጋሙ ሂቡ’ሎ።

እዚ ናይ ሓባር ልዑኻን ጉጅለ ምርመርኡ አብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግሪኽን መቆዶንያን ዘካየደ ክከውን ከሎን ንበይነን ወይ ምስ ቆልዑ ዝጉዓዛ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ነብሰ-ጾራትን ዘጥብዋ፡መንእሰያትን በይኖም ዝጉዓዙ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንዝለዓለ ሓደጋ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ዝተቓልዑ’ዮም ኢሉ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዊልያም ስፒንድለር ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃል እዚ ተርእዮ ማዕረ ክንደይ ዝውቱር ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምኳኑ ብምግላጽ ደቂ-ኣንስትዮ አብዚ ጉዕዞ ስደተን ዘጋጠመን ተመክሮ ንምዝራብ ከምዘይደፍራ ገሊጹ ግን እዚ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ክሳብ ሕጂ ትኩረት ዘይምርኻቡ ግን ኣይከወለን።

ንሱ ብተወሳኺ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ግዳይ እቶም ብዙሕ ገንዘብ ዝሓቱ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከምዝኾናን ነቲ ጉዕዞ ንምፍጻም ድማ ዘይደልይኦ ጾታዊ ርኽብ ንምፍጻም ከምዝግደዳ ከምዝገልጻ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG