ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብምቍራፅ ምዝገባ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሻቐለ ኮሚሽን ሕ/ሃገራት ዳግም ንኽጅመር ይውፅዕ 


ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ ሃገራት ኣብ ጀነቫ -ፋይላ
ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ ሃገራት ኣብ ጀነቫ -ፋይላ

ኣብ ኢትዮጵያ ምዝገባ ሓደስቲ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ምቍራፁ፡ ንሓያሎ ኣመልከቲ ንፀገማትን ተደራራቢ ሽግራትን ኣቓሊዑ ብምህላዉ፡ ቀልጢፉ ክጅምር ተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ።

“ብሰንኪ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ብሕልፊ ድማ ኤርትራዊያን፡ ግዳይ ማእሰርቲን መስጎግቲን ይዀኑ ኣለዉ፡” ንዝበለ መግለፂ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘራጎደ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃገራት፡ ምስ ምስፋሕ ጎንፂታት ናብ ብዙሓት ክልላት ኢትዮጵያ ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ተወሳኺ ሓደጋ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይሓዙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ’ቲ ንሰለስተ ዓመታት ተንጠልጢሉ ዘሎ ምዝገባ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ካልእ ንቡር ምንቅስቓሳቶምን ተደራራቢ ፀገማት የጓንፎም ከም ዘሎ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG