ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት እስራኤል  ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ካልእ ሃገር ከይተጣይስ ጸዊዑ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዘይፍቓዶም ናብ ካልኦት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ከየጣይስ ተማሕጺኑ።

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጥያስ ፖሊሲ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝጀመረ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ከይተተግብረ ከምዝጸንሓ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዊልያም ስፒንድለር እንተኾነ እዚ ካብ ጥሪ 1,2018 ክትግብር ዝተገልጸ ኤርትራዊያን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ ዝብል ፖሊሲ ንትካሎም ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።

“ ወግዓዊ መግለጺ እቲ ፖሊሲ ነቶም ናይ ዑቕባ ሕትኦም ኣብ መስርሕ ንዘሎ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ወይ’ውን ሓተቲ ዑቕባ ብመቑሕ ተአሲሮም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክውሰዱ ይኽእሉ’ዮም ምባሉ ዘሰኽፍ’ዩ። ብዘይፍቓዶም ናብ ውጽኢታዊ ሓለዋ ዘይብለን ሃገራት ምጥያስ እዞም ሰባት ዝቕጽል ስጉምቶም ብሊብያ ኣቢሎም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ምጉዓዝ ምዃኑ ምርዳእ ድማ ዝያዳ ዘተሓሳስብ’ዩ።”

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 27,000 ኤርትራዊያንን 7,700 ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ምዃኖምን መንግስቲ ነቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ 2009 ዓ.ም ድሕሪ ምቕባሉ ድማ 10 ኤርትራዊያን 1 ሱዳናዊያን ጥራይ ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ምርኻቦም እቲ ትካል ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ትካል ካብ ሕዳር,2015 ክሳብ ታሕሳስ,2017 ኣብ ከተማ ሮማ ዘዘራረቦም 80 ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዘፍቓዶም ካብ እስራኤል ናብ ካልእ ሃገራት ምጥያሶም ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል እዚ ድማ ንሓደገኛነት እቲ ፖሊሲ ዘርእይ’ዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ብምድረ በዳ ሲናይ ድሕሪ ብዙሕ ስቕያትን መስቀይትን ዝሓለፉ ምዃኖም ብምግላጽ ትካሎም እስራኤል ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ዝጣየስሉ መንገዲ ኣብ ምድላውን መፍትሒ ንምርኻብን ምስ መንግስቲ እስራኤል ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG