ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዘለው ሕ/ሃ ገሊጹ


ሊብያ: ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብታ ሃገር ከምዘለው ሕ/ሃ ይገልጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:48 0:00

ኣብ ሊብያ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ከምዘለው ሕ/ሃ ይገልጽ

ካብ መጀመርያ ኣዋርሕ ዓመተ 2017 ክሳብ ሕጂ ኣስታት 100,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብምብጋስ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኢጣልያ ከምዝኣተው ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ይገልጽ።

ብመሰረት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ኤጄንሲ ሓለዋ ዶብ ፍሮንቲክስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ 10,160 ስደተኛታት ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ኢጣልያ ምእታዎም ዝሓበረ ኽከውን ከሎ እዚ ቁጽሪ ግን ካብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝኣተው ብ57 ሚእታዊት ዝጎደለ ምኳኑን ካብ ወርሒ ሓምለ, 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዝተኻየደ ጸብጻብ ድማ እቲ ዝተሓተ ቁጽሪ ምኳኑ ይሕብር።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ኩነታት ኣየርን ካብቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝብገሱላ ሃገረ ሊብያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ነቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ምጉዳል ምክንያት ኽከውን ከምዝኽእል ይገልጹ።

ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ጭቆና፡ግጭት፡ድኽነት ንምውጻእን ንዝሓሸ ህይወት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝስደዱ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣውሮጳ ምስ በጽሑ’ውን ህይወት ዝበለጸ አጸጋሚ ኮይኑ ይረኽብዎ።

ብተወሳኺ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት መብዛሕትኦም እዞም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ብሊብያ ዝሓልፉ ስደተኛታት ንተወሳኺ ገንዘብ ጅሆ ከምዝተሓዙን ጾታዊ ዓመጽ’ውን ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥም ይገልጽ።

ማሙዱ ኦበ ካብ ጊኒ ኣብ ሊብያ አማራጺ ከምዘየለ ይሕብር።

“ ኣብቲ ቦታ እንተጸኒሕካ’ኳ መዓልታዊ ዝገደደ ሕማቕ ነገር እዮ ዘጋጥመኻ፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ይቐትሉኻ” ይብል።

መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ካብ ሓደ ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ናብ ካልእ ዝተሸጡ፡ ኣብ ግዱድ ስራሕ ዝተዋፈሩ ምኳኖም ይሕብሩ።

ብመሰረት ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝርኸብ አታዊ ኣብ ሊብያ ጥራይ ክሳብ 323 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት።

ስደተኛታት ንአስገርቶም ጥራይ ዘይኾነ ንናይ ጸጥታ ሰበ ስልጣን’ውን ገንዘብ ኽክፈሉ ይግደዱ እዮም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ሊብያ ከምዘለው ይገልጽ።

ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሊብያ ንዝብገሱ ስደተኛታት ደው ንምባል ይሰርሕ እንተሎ እዚ ፖሊስ ነቶም ዓለምለኸ ሕጊ ዘድልዮም ዝሕግዝ ኣይኮነ ዝብል ነቐፌታ ካብ ተሓለቕቲ መሰላት ኽቀርብ ምጽንሑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG