ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ይወቅዕ ዘሎ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሱማሊያዊያን ተመዛበልቲ ሽግር ይፈጥር ከምዘሎ ተገሊፁ


መንገዲታት ብውሕጅ ይዓንው ስለዘለው ንምጎዓዝያ’ውን የተኣጛጉሎ’ሎ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኽፋላት ሱማሊያ፡ኬንያን ኢትዮጵያን ይወቅዕ ዘሎ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ዝተፈነቐሉ ሱማሊያዊያን ሽግር ይፈጥር ከምዘሎ ፀብፂቡ።UNHCR ከምዝሓበሮ መንገዲታት ብውሑጅ ይዓንው ስለዘለው በቲ ከቢድ ዝናብ ንዝተሃሰዩ ረድኤት ናይ ምቕራብ ፃዕሪ የሰናኽሎ ኣሎ ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ነቲ ብድርቂ ዝተጠቕዐ ከባቢ ፅቡቕ ፍፃመ’ዃ እንተኾነ ብኻሊእ መዳዩ ግን ዕንወት እናስዐበ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ይብል ፀብፃብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት /UNHCR/ እቲ ውሕጅ ሰለስተ ሽሕ ዝፅግዑ ተመዛበልቲ ንዝተዓቖብሉ መፅለሊ ጣቢያ ከምዘዕለቕለቖ ሓቢሩ።ብተወሳኺ’ውን ንመጎዓዝያ ከምዘተኣጛጎሎን ካብ መንበሪኦን ናይ ዝሃድሙ ሰባት ቁፅሪ ክንኪ ከምዝገበረን እቲ ትካል ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ዝናብ ሱማሊያዊያን ካብ ዅናትን ጥምየትን ብምህዳም ናብ ኢትዮጵያ መፅለሊ ንምርካብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣይኸልከሎምን።ቅድም ኢሎም ምስ ዝነበሩ ክልተ ኣዋርሕ እንትነፃፀር ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ናብዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዶሎ ኣዶ ከምዝኣተው UNHCR ይሕብር።

ልዕሊ 8,800 ሱማሊያዊያን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣትዮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ዝርከቡ 5,000 ስደተኛታት ኣባይቶም ብውሕጅ ከምዝሰኣኑ ወሃቢ ቃል UNHCR ኣፍሊጦም።UNHCRን መሻርኽቱን ንቶም ዝተጎድኡ ናብ ደረቕ ከባቢ ከምዝወሰዱዎምን ኮቦርታን መደቀሲ መንፀፍን ከምዝሃብዎምን ሓቢሮም።

330 ሽሕ ዝግመቱ ሱማሊያዊያን ኣብ ሃገሮም ብዘጋጠመ ድርቅን ስግኣት ፀጥታን ናብ ኬንያ፡ኢትዮጵያ፡የመንን ጁቡትን ከምዝኣተው ፀብፃብ UNHCR ይሕብር።

XS
SM
MD
LG