ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዶሎ ኣዶ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ህፃውንቲ ዓብይ ናይ ኣማጋግባ ጉድለት ከምዘሎ ተፈሊጡ


ኣብ ቀርኒ ፍሪካ ንዘጋጠመ ቅልውላው ዓለምለኻዊ ጠመተ ዝለዓለ እዪ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ኣብዝተዓቖቡሉ ናይ ኢትዮጵያ ዶሎ ኣዶ ኣብ ህፃውንቲ ዝለዓለ ዋሕዲ ኣመጋግባ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀርኒ ፍሪካ ንዘጋጠመ ቅልውላው ዓለምለኻዊ ጠመተ ዝለዓለ እዪ።ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ግን እቲ ቅልውላው እውን እናጠንከር ይኸይድ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል UNHCR ኣንድሪያ መሃቺቺ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ ማዕልቲ ካብ 170 ክሳብ 200 ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ኬንያን ኢትዮጵያን ይኣትው ኣለው።

ንሶም ከምዚ ይብሉ፡’’እቲ ሽግር እቶም ሎሚ ይኣትው ዘለው ሰባት ኣዐሪዮም ዝደኸሙን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡን እዮም።’’

መሃቺቺ ከምዝበልዎ እቶም ፕሮግራማት ጥዕናን ኣመጋግባን ኣዝዮም ንዝተጠቕዑ ህፃውንቲ ንምሕብሓብ ዓሊሞም ዝተሰርሑ እንተነበሩ’ውን እዞም ህፃውንቲ ናብቲ ዝግባእ ኩነታት ጥዕና ንምምላስ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ግን ኣዚዩ ትሑት ከምዝኾነ ይገልፁ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሓደ ሚእቲ ዝፅግዑ ኬኒያዊያን ፖሊሳት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ከምዝተዋፈሩ UNHCR ኣፍሊጡ።እንተኾነ ግን ኣብ ዳዳብ ኩነታት ፀጥታ ሕዚ’ውን ዘይተረጋግአ ከምዝኾነ እቲ ትካል ይገልፅ።ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን በቶም ዝበፅሑ ናይ ፀጥታ ኣጋጣሚታት ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡ UNHCR ይገልፅ።

ወሃቢ ቃል UNHCR ኣንድሪ ማሃቺቺ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥቓ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ካብ ዝርከቡ መንገዲታት ኣብ ሓዲኡ ናይ ነቶግቲ መሳርሒታት ከምዝተረኸቡ ሓቢሮም።እቲ ኖታጉ ስለዘይተፈንጀረ ግን ዝተጎደአ ሰብ ከምዘየለ ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG