ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግመ-ምስፋር ኤርትራውያን ኣይተቛረጸን ይብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት UNHCR


ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስፋሮም ዝተጀመረ ፕሮግራም ተቛሪጹ እንተኾይኑ፡ ገለ ስደተኛታት ክሓቱ ጸኒሖም ኣለዉ

ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ጉጅለ ህዝባዊ ሓበረታ UNHCR ክሱት ገብረዝግኣብሀር፡ ብምኽንያት በዓላት ልደትን ሓዲሽ ዓመትን፡ እቲ መስርሕ ንግዚኡ ዝዘሓለ ክመስል ንቡር`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ፕሮግራም ግን ኣይተቛረጸን ኢሉ።

ኣብ`ዛ ትሓልፍ ዘላ ዓመተ 2011 ድማ፡ 1,339 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝሰፈሩ ሓቢሩ፡

ክሳብ ሕጂ፡ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘውጸኦን፡ UNHCR ካብ 15-25% ብዝምውሎን ፕሮግራም፡ ናብ ዩኒቨርሲታት ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ኣቶ ክሱት ወሲኹ ሓቢሩ፡

ተወልደ ወልደገብሬል ምስ ኣቶ ክሱት ገብረዝጊኣብሀር ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG