ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 13,000 ሱዳናዊያን ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ምእታዎም ተገሊጹ


ሱዳናዊያን ካብ ኻርቱም ኣብ ዝወጽሉ 'ዋን - ፋይል
ሱዳናዊያን ካብ ኻርቱም ኣብ ዝወጽሉ 'ዋን - ፋይል

ልዕሊ 13,000 ዝኾኑ ሱዳናውያን ካብ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጎንፂ ሃዲሞም ናብ ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከምዝተሰደዱ ተገሊጹ።

መብዛሕትኦም ህፃናትን ደቂ-ኣንስትዮን ዝኾኑ እዞም ስደተኛታት ካብ ናያላ ዝተበገሱ ኮይኖም ኣብ መገዶም ብዕጡቓት ምዝራፍ ንብረት፣ ኣካላዊ ማህሰይትን ፆታዊ ዓመፃትን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ፀገማት ከምዘጋጠሞም ይዛረቡ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ከም ማይን መግብን ዝበሉ ሓገዛት የቕርቡ ምህላዎም ብምሕባር ነቶም ናብ ጫድ ዝኣተዉ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ድማ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ምዝገባ ባዮሜትሪክስ ምጅማሮምን ይገልፁ።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃን መሻርኽቱን መንግስቲ ነቶም ካብ ጎንፂ ሃዲሞም ናብ ኣምዳፎክ ዝኣተዉ ሱዳናውያንን ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝህቦ ዘሎ ሓለዋ ናይ ምሃብ ግብረ መልሲን ፃዕሪታትን ይድግፉ።

ዝያዳ ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ብዝከኣሎ ቀዳምነት ብምሃብ ይሰርሕ ምህላዉን ዛጊት 36 ስድራ ናብ ውሑስ ከባቢ ብምውሳድ እኹል ኣገልግሎት ዝረክብሉ ኩነታት ምምዕርራዩ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG