ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ስደተኛታት ሕ/ሃ ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕጺኑ


ፋይል
ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ነቶም ካብ ሰሜናዊ አፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝገብሩ ዓሰርተታት አሽሓት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን አፍሪቃዊያን ዝሓሸ አማራጺ ብምሃብ ንምድጋፍ ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕጺኑ።

ቁጽሪ እቶም ካብ ሊብያ ናብ አውሮጳ ዝአትው ዘለው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ይውስኽ ኣሎ። ቁጽሪ’ቶም ንምድረ በዳ ሰሃራን ሜዲተራንያን ባሕሪ ክሰግሩ ክብሉ ዝሞቱ’ውን ከምኡ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ’ሎ።

ቁጽሪ አብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ አዋርሕ ናብ ጣልያን ክሰግሩ ክብሉ ዝሞቱ ሰባት 2,360 ምኳኑ፡ ቁጽሪ ናብ ሊብያ ንምብጻሕ ምድረ በዳ ሰሃራ ከቋርጹ ዝሞቱ’ውን ምውሳኹ ካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ናብ ሊብያ ምኻድ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ዝበሉ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ትካል ንኩነታት ማእኸላይ ባሕሪ ሜዲተራንያ ቪንሰንት ኮክተል አጠንቂቆም።

ንሶም ብተወሳኺ እቶም ናብ ሊብያ ዝአትው’ውን ኣብ መዳጎኒ ክአትው ተጌሩ ንምግሃስ መሰላትን ምዝመዛን ዝተቓልዑ’ዮም ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG