ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃን ኣብ መዕቖቢ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ በፂሖምም


ናይ ኢፌዴሪ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን UNHCRን ብሓባር ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራ በፂሖም።ሸፋቱ ለይቲ እናመፁ ከምዝዘርፉዎም እቶም ስደተኛታት ምዝራቦም ወኪል UNHC ክሪስ መልዘር ንቪኦኤ ገሊፆም።ስደተኛታት እናዓፈኑ ናብ ኤርትራ ይወስዱዎም ኣለው ዝብል ብደረጃ ክሲ እንተሰማዕና እውን ካብቶም ስደተኛታት መረጋገፂ ኣይረኸብናን ኢሎም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ፀገም ዘጋጠሞም ኣዚዩ ዝወሓደ ምዃኑ ብምግላፅ ንዕኦም መሰረታዊ ቀረባት ነማልአሎም ኣለና ኢሉ ኣሎ።

ዳይረክተር ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደተ ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁነኝ ጎበዛይን ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል UNHCR ኣለን ኢኮንትር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ኣብ ዝተብሃሉ ማእኸል ስደተኛታት ተረኺቦም ኣለው።ዕላማ ናይቲ ዑደት ብሰንኪ እቲ ግጭት ተቛሪፁ ዝነበረን ሕዚ ቀረብ ጀሚሩ ዝተብሃለን ኣገልጎታት ንምቕናዕ እዩ ይብል እቲ ኮምሽን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ።እቶም በፃሕቲ ዓዲ ሓሩሽ ምስ ወኪል ስደተኛታት ብምርኻብ ምዝርራቦም እውን ገሊፁ ኣሎ።

ንUNHCR ብምውካል ንቪኦኤ መብርሂ ዝሃቡ ክሪስ መልዘር እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ድጊም ሓገዝ ከምዝረኽቡ ብምርግጋፅ እንተኾነ ግን ሕዚ እውን ንማእኸላት ስደተኛታት ሺመልባን ህፃፅን ክብፃሕ ከምዘይካል ከም ስግኣት ሓቢሮም።

‘’ሕዚ ኩነታት ፅቡቕ እዩ ክብሃል ይክኣል።ምኽኒያቱ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይነበረን’’ ዝበሉ ንሶም ‘’መሻርኽትና ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ታሕሳስ ራሽን ምግቢ ሂቡ ነይሩ ሕዚ ንኻልኣይ ግዜ ናይ ምግቢ ሓገዝ ተዋሂቡዎም ኣሎ’’ ኢሎም።ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ትምህርቲን ክሊኒክን ዝኣመሰሉ ትካላት ምዕፃዎምን ናብ ሰሜን ዝርከቡ ክልተ ምዕቖቢ ስደተኛታት ሽመልባን ህፃፅን ግን ዝኸፍአ ፀገም ከምዘሎ ዝበፅሑና መረዳእታት ይሕብሩ ኣለው ኢሎም።

ስደተኛታት እናተዓፈኑ ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ኣለው ዝብል ብመራኸቢ ብዙሃን ዝተፀብፀበ ሚስተር ክሪስ ነዚ ከረጋግፁዎ ከምዘይክኣሉ ንቪኦኤ ሓቢሮም።ከምዚ ተፈፂሙ እንተኾይኑ ግን ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባር እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ካብ ካምፕታት ወፂኦም ንዝብሉ ፀብፃባት ሚዲያ ዝተሓተቱ ንሶም ኣብዘይበፅሑዎም ሽመልባን ህፀፅን ተፈፂሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።ዝተወሰኑ ነበርቲ ናይዚ ማእኸል ስደተኛ ናብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ምምፅኦምን ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኡን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ምህላዎም ምርኣዮም እውን ሓቢሮም።

ለይቲ ንብረቶም ዝዘርፉዎም ዕጡቓት ምህላዎም ብምሓብር ኣብቲ ከባቢ ሓለዋ ፀጥታ ክሕይል ፀዊዖም ኣለው።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣቶ በኣካል ንጉሴ ትካሎም ስደተኛታት ሓገዝ ምግቢ ምቕራብ ካብ ዝጅመር ካልኣይ ወርሑከምዝገበረ ሓቢሮም።

ኣብ ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ንስደተኛታት ግቡእ ኣገልግሎት እናተውሃበ እዩ።ምቕራብ ምግቢ ክልተ ወርሑ እዩ ካብ ዝጅመር።ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን ናብቲ ካምፓት ይኣትው ኣለው ኢሎም።

መብዛሕቲኦም እቶም ስደተኛትታ ዘቕርቡዎ ሕቶ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምኻድ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ 26 መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዘለውን ልዕሊ 900,000 ስደተኛን ምህላዎምን ዝገለፁ ንሶም በኣካል እቲ ፀገም ዝወረዶም ዝተብሃሉ ኣዚዮም ዝወሓዱ እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG