ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ


ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ናይ ካልኣይ ማዕልቲ ኣኼብኡ ሎማዕንቲ ረቡዕ ቀፂሉ’ሎ።መራሕቲ ቻይና፣ጃፓን፣ዩክሬይን፣ሕብረት ኣውሮፓን፣ኣፍጋኒስታን፣ፓኪስታንን ካልኦትን መደረ ከስምዑ እዮም።

ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብዘሎ መበል 71 ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት 42 መራሕቲ መደረ ከስምዑ እዮም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ ሙን እዛ ዕለት ዓለምለኸ ማዕልቲ ሰላም ክትኸውን ብምግላፅ ኣብ ዙሪያ ዓለም ውግእ የካይዱ ዘለው ሓይልታት ን24 ስዓታት ቶኽሲ ጠጠው ከብሉ ፀዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG