ጆ ባይደን ከም ፕረዚደንት ኣመሪካ ንመወዳእታ ግዜ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ንዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ከስምዕ`ዩ።
ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕን ኣተሓሓዝኡን ካብ ርእሱ ክወርዱ ዘይክኣሉ ጉዳያት ክኾኑ`ዮም።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን መዝነቱ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከብቅዕ`ዩ። እዚ ናይ ኒውዮርክ መደረ እምበኣር ቅድሚ ስልጣኑ ምብቅዑ ንመወዳእታ ግዜ ዘስምዖ ክኸውን`ዩ፡ ኣብቲ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ምስ መራሕቲ ዓለም ክራኸብ`ዩ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት -ሊንዳ ግሪን ፊልድ ኣብ ፍሉይ እዋን`ዩ እዚ ዋዕላ ዝካየድ ዘሎ ትብል።
" በብዓመቱ ንብሎ ነገር`ዩ። ግን ከምዚ ዋዕላ`ዚ ኣብ ኣገዳሲን በዳህን እዋን ዝመጸ የለን። ቆላሕታን ስጉምትን ዝጠልቡ ቅልውላዋትን ግጭታትን ቁጽሮም እናበዝሐ`ዩ ዝኸይድ ዘሎ”ኢላ።
ካብ መንጎ`ቲ ዝርዝራት ድማ ቀዳምነት ዝስራዕ ቓዛ`ዩ፡ ኣብዚ ድማ መርገጽ ኣመሪካ ምስተን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ዝበዝሓ ሃገራት ዝሳነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝበዝሓ ኣባላት ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘሕለፍኦ ውሳነ፡ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ፍልስጤማውያን ዘለዋ ጎበጣ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ከተብቅዕ ዝጽውዕ`ዩ። ኣመሪካ ካብተን ኣብቲ ውሳነ "ኣይፋሉን" ዘድመጻ 14 ሃገራት ሓንቲ`ያ። ኣመሪካ እቲ ከምኡ ዝብል ውሳነ፡ ንእማመ ምቋም ክልተ መንግስታት ዝሕግዝ ኣይኮነን እያ ትብል።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ