ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውግእ ፀረ ፈጠራ ራዕዲ ድርብ መዐቀኒ ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም ም/ቀ ሚ/ር ኢትዮጵያ


ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንፃውዒት ኢጋድ ክፍፅም'ውን ሓቲቶም

ኣብ ዋዕላ ሕ/መ መደረ ሎሚ ዘስምዑ ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮዽያ፣ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሸበራ ዝካየድ ውግእ ድርብ መቀዐኒ ይራኣይ‘ሎ ከምኡ እንተኾይኑ፣እቲ ውግእ ክዕወት ኣይኽእልን ኢሎም።

ኣፍሪቃን ማዕበልቲ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ግሎባላይዜሽን ተጎዲኤን‘የን ዝበሉ ምክትል ቀ/ሚን ምንስትር ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ብሕልፊ ከምኢትዮዽያ ዝኣምሰላ ሃገራት፣ካብ‘ቲ ዝርከባሉ ብርኪ ድሕረት ንምውፃእ ንዝጀመረኦ ምግስጋስ ጎቲትዎ‘ዩ ኢሎም።

ብመንፅር ምለንየማዊ ሸቶ፣ኢትዮዽያ ንኩሎም መደባት ንምትግባር ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ኣላ፣ብሕልፊ ምስ ናይ 5 ዓመት መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን‘ታ ሃገር ኣነፃፂርካ፣ገዚፍን ህንጡይን መደባት ኣለውና ምባል ይካኣል ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥፍኣት ዘስዐበ ደርቂ ከምዘጓነፎ፣ንህዝቢ ሶማልያ ንምሕጋዝ ድማ ዝያዳ ክንንቀሳቀስ ይግባእ ኢሎም።ኣስዒቦም፣

ኣብ‘ዚ እዋን’ዚ፣ኣል-ሸባብን ፅንፈኛታትን ካብ ሞቃዲሾ ተፀሪጎም ስለዝወፁ ክዕቀብ ዘለዎ ሰላም ናብ‘ታ ሃገር ተመሊሱ‘ሎ ኢሎም ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ።እግረ-መገዶም ዓቃቢ-ሰላም ናብ ሶማልያ ንዘዋፈራ ኡጋንዳን ቡሩንዲን ኣመስጊኖም።

ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያን ምክትል ቀ/ሚን ዝኾኑ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ዘቅነዐ መደረኦም ድማ፣

”ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ናብ ዝቀረበ ሕቶ ዝርዝራዊ ነጥቢታት ከይኣተኹ፣ ኢጋድ ወፍሪ ሶማልያ መእንታን ክዕወትን እቶም ብድሕሪት ኮይኖም ዝረድኡ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግብረ-ሸበራዊ ጥፍኣት ዝተዋፈሩ ንምቁፅፃርን፣ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓላፍነቱ ክፍፅም ኣለዎ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብመሰረት‘ቲ ባዕሉ ዘቆሞ ኣካል ዝቀረበሉ ሰነድ፣ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።ብግብሪ ዘይተሰነየ ጥዑም ዘረባ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንዝቀረበሉ መርመራዊ ሰነድ ከደናጉዮ ክፈቅድ የብሉን” ኢሎም እቶም ም/ቀ ሚ/ር።

ኣብ ምውጋእ ግብረ-ሸበራ ድርብ መዐቀኒ ንሪኢ ኣለና ዝበሉ እቶም ምንስትር ወፃኢ፣እናመመና ንዋጋእ እንተኾይና፣ውግእ ኣንፃር ግብረ-ሸበራ ብደረጃ ዓለም ኣይዕወትን ኢሎም።

ኢጋድ ኣብ ባይቶ ሕ/መ ናይ ተዓዛባይ መንበር ንክረክብ‘ውን ሕቶ ኣቅሪቦም‘ዮም ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለ-ማርያም ደሳለኝ።

XS
SM
MD
LG