ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም ኣብ ግጥም ፀረ ፅንፈኛነትን ፈጠራ ራዕዲን ክትተሓባበር ፕረሲደንት ኦባማ ፀዊዖም


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ

* ቅድሚ ኩሉ ዝዓበያን ዝናኣሳን ሃገራት፣ንዓለም ለኸ ሕጊታት ናይ ምትግባር ግዴታ ኣለወን።ሩስያ ኣብ ኡክረይን ዝፈፀመቶ ተግባር ንዓለም ለኸ ሕጊ ዝጣሓሰ‘ዩ።እቲ ሓቂ ክዝረብ ይግባእ።ኣሜሪካን መሻርኽታን ንኡክረይን ምሕጋዘን ክቅፅላ‘የን ይብሉ።

* ኣሜሪካ ሕሱም ድኽነት ክሳብ ዝቅፅላ 15 ዓመታት ንምጥፋእ ተበጊሳ‘ላ። ህዝቢታት ርእሶም ንክምግቡ ዓቅምና ዘፍቀደ ክንገብር ኢና።ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ቁጠበኦም ኣበርክቶ ንክህልዎን ንሕሙማቶም ክሕብሕቡን ክነኽእሎም ኢና።ዓለም እንተሓቢራ፣ቀፃላይ ወለዶ ምሕዩሽ ናብራን ህይወትን ከስተማቅር‘ዩ።

* ከምመጠን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ኣተኲርና ክንንቀሳቀስ ይግባእ ዝበሉ‘ቶም ፕረዚደንት፣ቀዳማይ እስላማዊ መንግስቲ ዒራቅን ሶርያን ISIL ክዳኸምን ክድምሰስን፣ካልኣይ እስላማዊ ዓለም፣ንኣስተምህሮን ኣተሓሳስባን ኣል-ቃይዳን ISILን ብዘየማትእ ክነፅጎ፣ሳልሳይ ፅንፈኛታት ንዝጫጭሕሉ ባይታ ፀቢብነትን ዘስዕቦ ግጭትን ክውገድ፣ራብዓይ ብሕልፊ ሃገራት ሙስሊም፣ኣብ‘ቲ ልዑል ተስፋን ዓቅሚን ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ ዝያዳ ትኹረት ንክገብሩን ፀዊዖም።

* ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ንዘለው መናእሰይ ሙስሊማት ብቀጥታ ክዛረብ።ሓደ ነገር ክትርድኡ ይደልይ፣ከባቢኹም፣ንድንቁርና ዘይኮነስ ንፍልጠት፣ንዕንወት ዘይኮነስ ንምህዞ፣ንቅትለት ዘይኮነስ ንክብሪ ህይወት ክብሪን ናእዳን ዝህብ ከባቢ‘ዩ።እቶም ካብ‘ዚ ጎደና‘ዚ ንክትርሕቁ ዝፅውዕኩም ወገናት፣ነቲ ህጡር ታሪኽ ዝጠለሙ‘ምበር፣ዝዕቅቡ ኣይኮኑን።

ሙሉእ ሪፖርት መደረ ፕረዚደንት ኦባማ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:39 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG