ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ሕ/ሃ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ኒውዮርክ ተኸፊቱ


UNGA
UNGA

ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ‘ሰሜን ኮርያ ዝሓደራ ሕልሚ ምውናን ኣጽዋር ንዩክለር፣ ቁጽሪ ሓደ ስግኣት ዓለምና’ዩ’ ኢሎም ገለጽዎ።

‘ምግፋሕ ኣጽዋር ዘይተኣደነ ሓደጋ ኣስዒቡ’ሎ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ድማ ለሚሱ’ዩ’ በሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ።

ቀዳማይ ትኹረት ዝገበርሉ ቅልውላው ወሽመጥ ኮርያ ሰላማዊ ፍታሕ ክኾን ኣለዎ፣ ምጥቃም ንዩክለር ቦምብ ክንሓስቦ’ውን ኣይግባእን በሉ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ብዛዕባ ስራሕቲን ውጽኢቱን ሕ/ሃ ሪኢቶ ዝሃቡ መራሒ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ‘ኣባል ሃገራት፣ ነቲ ዘይሰርሐ ይስዕብዎ ዝነበረ ኣንፈት ንክቕይሩ’ ኣዘኻኺሮም።

ብዛዕባ ስግኣት ሰሜን ኮርያ ክዛረቡ ከለው ‘ንርእሳን ንመሻርኽታን ካብ ጥቕዓት ክትከላኸል እንተኾይኑ ግና እንትርፊ ንሰሜን ኮርያ ምጥፋእ ካልእ ምርጫ ኣይክህልወናን’ዩ’ ኢሎም ትራምፕ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:11 0:00


XS
SM
MD
LG