ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ዕዳኣ ብምኽፋል ናብ ዩኔስኮ ከምትምለስ ኣፍሊጣ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትምህርታዊ፣ ሳይንሳውን ባህላውን ትካል(ዩኔስኮ) ኣመሪካ ቅድሚ ሎሚ ዘይከፈለቶ ልዕሊ 600 ሚሊዮን ዶላር ብምኽፋል ናብቲ ትካል ክትምለስ ምውሳና ሎሚ ሶኑይ ገሊፁ። እቲ ትካል ንፍልስጤም ከም ኣባል ገይሩ ክቕበላ ድሕሪ ምውሳኑ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ'ዩ ኣመሪካ ካብ ኣባልነት ወፂኣ ፀኒሓ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ እቲ ናብ ኣባልነት ናይ ምምላስ ስጉምቲ ኣብ ዩኔስኮ ዝተፈጥረ ክፍተት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ወይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ቴክኖሎጂ ትምህርትን ብቻይና ይምላእ ኣሎ ዝብል ስኽፍታ ዘበገሶ እዩ ይብሉ።

ዩኔስኮ ኣብ 2011 ንፍልስጤም ኣባል ክትኸውን ድሕሪ ምድማፁ ኣመሪካን እስራኤልን ነቲ ትካል ይህብኦ ዝነበራ ገንዘብ ደው ኣቢለን። ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ነዊሕ ዝፀንሐ ፀረ እስራኤልን ፀገም ምምሕዳርን ብምጥቓስ ኣብ 2017 ኣመሪካ ካብቲ ትካል ክትወጽእ ገይሮም።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ምኽትል ሚንስተር ምምሕዳርን ፀጋታትን ሪቻርድ ቨርማ ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ናይ ምምላስ ሕቶ ንዋና ዳይረክተር ዩኔስኮ ኦድረይ ኣዞውለይ ደብዳበ ምልኣኾም ነቲ ደብዳበ ዝረኣየ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣብ ዩኔስኮ ብዛዕባ ማእኸላይ ምብራቕ ዝካየድ ክትዕ ፖለቲካዊ መልክዕ ከይሕዝን ኣብቲ ምምሕዳር ምስትውዓልን ምምሕያሽን ምዕባለ ከምዘሎ ቨርማ ጠቒሱ።

እቲ ናይቲ ትካል ዝዓበየት መዋሊት ዝነበረት ሃገር ናይ ምምላስ ውሳነ ብ193 ኣባል ሃገራት ዝቕፅል ወርሒ ድምፂ ክወሃበሉ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG