ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርአ ኣሉታዊ ኣድልዎ ገና ይቕጽል" ሕ/ሃ


ዋላ’ኳ ንመሰል ደቀንስትዮ ዘቐድሙን ንማዕረ መሰላት ዝጕስጕሱን በበይኖም ተርእዮታት እንተነበሩ፡ እቲ “ሱር-ዝሰደደ ዝንቡዕ ኣረዳድኣ” ኢሉ ዝጸውዖ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እቲ ብፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት(UNDP) ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣሉታዊ ጾታዊ ኣድልዎ ብማዕረ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝርአ ኰይኑ፡ ገና ኣስታት 69% ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ደቂ-ተባዕትዮ ዝበለጹ መራሕቲ ኢሉ ከም ዝኣምን፣ ካብቶም መጽናዕቲ ዝሸፈኖም ድማ ኣስታት 27% ጥራይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ማዕረ ደሞክራሲያዊ መሰል ከም ዘሎ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየድ ህዝባዊ ዳህሳስ 33% ካብ ደቂ-ተባዕትዮ እታ ሃገር ኣካላዊ ጎንጺ ከም ማህረምቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ቅቡል ከም ዝርእዩዎ እቲ መጽናዕቲ የብርህ። እቶም መጽናዕቲ ዝተኻየደኦም ካብ 18 ክሳብ 35 ዝዕድመኦም ኰይኖም፡ 34% ናይቶም መሕተት ዝተኻየደሎም ንመጸምደቶም ደቀንስትዮ ሃሪሞም ከም ዝፈልጡ ተኣሚኖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG