ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መድትራኒያን ተመሳሳሊ ሓደጋ ንምውጋድ ዝተዋደዱ ስጉምትታት ክውሰዱ UNHCR ፀዊዑ


የተባበሩት መንግሥታት የስደተኞች ጉዳይ ከፍተኛ ኮሚሽነር
የተባበሩት መንግሥታት የስደተኞች ጉዳይ ከፍተኛ ኮሚሽነር
ሓባራውን ሰፊሕን ስጉምትታት እንተድኣ ዘይተወሲዱ ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ቀፃሊ ዘሕዝን ናይ ጀልባታት ሓደጋ ከጋጥም ክኽእል እዩ ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት /UNHCR/ ኣጠንቂቑ።

ወሃቢ ቃል UNHCR ኤድሪያን ኤድዋርድስ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሽግር ስለዝኾነ ብሓፈሻ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ካብ ቀርኒ ኣፍሪካ ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ዝገብርዎ ጉዕዞ ጠጠው ንምባል ከምዘይክኣል ይገልፁ።እቲ ጉዳይ ካብ ሓደጋ ዝረሓቐ ንክኸውንን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጉዓዙ ዘለው ሰባት ይብፅሕ ዘሎ ሓደጋ ከመይ ምንካይ ይክኣልን ዝብል ክኸውን ኣለዎ ምስ በሉ ‘’እቲ እንኮ ፍታሕ ነቲ ሽግር ብሰፊሑ ብምርኣይ እቶም ስደተኛታት ካብተን ሃገራት ካብ ዝወፁ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ኣውሮፓ ዝበፅሑ ኣብ ንፍሲ ወከፍ ምዕራፍ እቲ ጉዕዞ ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ ኢለና ኢና ንኣምን።’’ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥቓ ደሴት ላምፐዱሳ ብዝበፅሐ ናይ ጀልባ ሓደጋ ዛጊድ 311 ሰባት ምማቶም ተረጋጊፁ’ሎ፤40፣50 ዝኾኑ ካልኦት ድማ ዛጊድ ኣይተረኸቡን።

ኩሎም ኣብታ ጀልባ ተፃዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት ብዘይካ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ተባሂሉ ካብ ዝእመን ሓደ ቱንዚያዊ ኩሎም 500 ዝኾኑ ኤርትራዊያን እዮም ኢሎም።እቲ ዝበፅሐ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ምስ ናይ ቅድሚ ሎሚ እንትወዳደር መዳርግቲ የብሉን ኢልም ብምውሳኽ እቶም ወሃቢ ቃል።

ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ምባል ዘይክኣል እንተኾይኑ ካብ ሓደጋ ነፃ ብዛዕባ ዝኾነሉ ቀንዲ ጠመተ ክኸውን ከምዘለዎን ብምግላፅ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ንሓዋሩ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንምውጋድ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስራሕ፣ዝሓሸን ዕቱብን ሓለዋ ባሕሪ ሓዊሱ ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምትታት ምውሳድ ዝምልከት ዘውፅኦ መግለፂ ድማ UNHCR ብሓጎስ ከምዝተቐበሎን ኤድዋርድስ ሓቢሮም።

ብዛዕባ ሓደገኝነት እቲ ጉዕዞ ንቶም ስደተኛታት ሓበሬታ ምሃብ፣ሰባት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካሊእ ክሰጋገሩ ከለው ኣብተን ሃገራት ዕቑባ ዝረኽብሉ ኣገባብ ምፍጣር ዝብሉን ካልኦትን ጉዳያት እውን ክርአዩ ከምዘለዎም ኤድዋርድስ ሓቢሮም።

ሰባት ዝሃድሙለን ከም ሱማሊያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ክንርኢ ከለና ብኣፀጋሚ ኩነንታት ከምዝሃድሙን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንስድተኛታት ብዘሰጋግሩ ነጋዶ ደቂ ሰባት ዝተዋደደ ዓለምለኸ ገበን ከምዝፍፀምን ብምሕባር ሰባት ኣብዚ ነዊሕ መንገዲ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ሓደጋ ኣይፈልጡን ኢሎም።

ኣብ 2013 ኣ/ፈ 32 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት በዘን ጀልባታት ኣቢሎም ብባሕሪ ሜዲቲራኒያን ናብ ጣሊያን ከምዝኣተውን ካብኦም እቶም ክልተ ሲሶ ዝኾኑ ኣብ ኣውሮፓ ዕቑባ ንምርካብ ከምዘመልከቱን ኣፍሊጦም።ናይ ዓረብ ፅዲያ ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ህዝባዊ ዓመፅ ምኽንያት ኣብ 2011 58ን 60 ሽሕ ህዝቢ ብመዲትራኒያ ባሕሪ ከምዝሰገሩን ኣብዚ እዋን ግን ተመሳሳሊ ዋሕዚ ህዝቢ ከምዘየለን ብምግላፅ የግዳስ ናይ ሞት ማዕበል ንርኢ ስለዘለና ነዚ ንምፍታሕ ናይ ኩላትና ጠመተ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ወሃቢ ቃል UNHCR ኤድሪያን ኤድዋርድስ።
XS
SM
MD
LG