ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ 5 ኣዋርሕ 1,200 ህጻናት ምሟቶም ሕ/ሃ ገሊጹ


መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ጫድ
መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ጫድ

ኣብ ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንደሓር ልዕሊ 1,200 ቆልዑ ክሞቱ ከለው ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ሱዳን ተወሰኽቲ ዝውለዱ ዕሸላት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሰሉስ 19 መስከረም 2023 ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት ነዚ መጠንቀቅታ ዘቃለሓ ቅልውላው ሱዳን ኣብ ስርዓተ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቆልዑ ዘስዓቦ ጽልዋ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ዩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሰላማውያን ሰባትን ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕናን ምግብናን ዘጋጥም መጥቓዕቲን ካብ ሕጂ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝውለዱ ዕሸላት ክሞቱ እዮም ዝብል ስግኣት ከምዘለዎ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት(ዪኒሴፍ) ጀምስ ኤልደር ንሪፖርተራት ኣብ ጀነቫ ገሊጾም።

ካብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ሱዳን 333- ሽሕ ህጻናት ክውለዱ ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ትካል ይሕብር።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ካብ 15 ግንቦት ክሳብ 14 መስከረም ኣብታ ሃገር ኣብ ትሸዓተ መዓስከራት ስደትኛታት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም 1,200 ቆልዑ ምሟቶምን እዘን መዓስከራት መብዛሕትኡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኣናገዱለን ምዃነን ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጥዕና ህዝቢ ኣለን መይና ኣብ ጀኔቫ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG