ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤ/ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ምሻጥን ምስግጋርን ወታሃደራዊ ናውቲ ናብ እስራኤል ይዘራረብ


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ኣካል’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼብኡ ዘሕለፎ ውሳነታት፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ማዕቀብ ኣጽዋር ክንበር መፀዋዕታ ንምቅራብ ይውጥን።

እቲ ዝቀረበ ረቂቅ ውሳነ፣ ሃገራት ኣፅዋራትን ካልኦት ወታሃደራዊ ናውትን ናብ እስራኤል ምሻጥንን ምስግጋረንን ጠጠው ከብላ ዝፅውዕ’ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኲናት፣ መብዛሕትኦም ሰላማዊያን ሰባት ዝኾኑ 1,200 እስራኤላውያን ዝቀተለ ክኸውን ከሎ 250 ዝኾኑ ኸኣ ተጨውዮም።

ካብ ወገን ፍልስጤማውያን ከኣ፣ ሲቪላውያንን ተዋጋእቲ ከይፈለየ ግን መብዛሕትኦም ኣንስትን ቆልዕን ዝኾኑ፣ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፣ 75- ሽሕ ሰባት ከኣ ቆሲሎም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG